Saturday, January 7, 2012
Patriarch gives benediction
ርሑስ ባዓል ልደት ይግበረልና,ይግበረልኩም!! ኣመን!!
Asmara, 6 January 2012 - His Holiness Abune Dioskoros, 4th Patriarch of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church gave benedictions in connection with Ge’ez Christmas.
His Holiness Abune Dioskoros wished the faithful Merry Christmas, and reminded the people to celebrate the Holiday with love to one another and keep intact the noble Eritrean culture of generosity through extending assistance to the needy.
His Holines Abune Dioskoros further wished peace and development to the nation.
ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ጸገማት መጓዓዝያ ኣብ ምቅላል እጃመን የበርክታ” ተገልገልቲ
ብቕዓትን ስሉጥነትን ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ንምርግጋጽ ዝኣተዋ ሓደስቲ ዘመናውያን ኣውቶቡሳት፡ ካብን ናብን ኣስመራን ዞባታትን ንዝጸንሐ ጸገማት መጓዓዝያ
ብምቅላል መስተርሆት ከምዝፈጠራ ተገልገልቲ ገሊጾም። ንሳቶም ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ምእታው ናይዘን ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ኣካል ናይ’ቲ መንግስቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስን ቍጠባዊ ምዕባለ ንምብራኽን ዘሰላስሎ ዘሎ መደባት ልምዓት ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ምምዕባል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ድርኺት ከምዝፈጥር ዘለዎም እምነት ገሊጾም።ካብ ነበርቲ ዓዲ-ከፈለት - ዞባ ደቡብ ኣቶ እስቲፋኖስ ወልዳይ፡ እዘን ድሮ ኣገልግሎት ጀሚረን ዘለዋ ሓደስቲ ኣውቶቡሳት ብተወሳኺ፡ ውሕስነት ዘለዎ ኣገልግሎት ኣብ ምርግጋጽ ኣበርክቶአን ልዑል ምዃኑ ሓቢሩ። “ዝነበረና ጸገማት፡ ምስ ምስጓም
ምዕባለ ሃገርና በብእዋኑ ይፍታሕ ኣሎ” ዝበለ ነባሪ ተሰነይ ኣቶ ስዒድ ኣሕመድ ብግደኡ፡ እዘን ዘመናውያን ኣውቶቡሳት ዝርጋሐአን ኣስፊሐን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ሃገርና ዝያዳ ሩፍታ ንኽፈጥራ ዘለዎ እምነት ገሊጹብዘዋድድ ዘሎ ኣገልግሎታት ዕጉባት ምዃኖም ዝሓበረት ወይዘሮ ለምለም ወልዳይ፡ ምስ ምእታው ናይዘን ኣውቶቡሳት፡ ሪጋ ዘይብሉ ስሉጥ ኣገልግሎት ይረኽቡ ምህላዎም ሓቢራ።
ብቐጻሊ ናብ ተሰነይ ከምእትመላለስ ዝገለጸት ኣልጋነሽ ሃይለ ብወገና፡ ረኺቦምዎ ዘለዉ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኪንዮ’ቲ ንነብሶምን ንብረቶምን ዘለዎ ውሕስነትን ምቹእነትን፡ ግዜ ኣብ ምቝጣብ’ውን ልዑል ተራ ከምዘለዎ ኣነጺራ።መራሕ መኪና ኣቶ ጀማል ዓብዱ ብወገኑ፡ እተን ኣውቶቡሳት ምዕቡላት፡ ምቹኣትን እኹል ናይ መጽዓኒ ቦታ ዘለወንን ምዃነን ጠቒሱ፡ እቲ ቀደም ሰብ ሪጋ ሒዙ ኣውቶቡሳት ዝጽበየሉ ዝነበረ ኩነታት ተሪፉ፡ ኣውቶቡሳት ሪጋ ሒዘን ንተሳፈርቲ ኣብ ዝጽበያሉ ደረጃ ከምእተበጽሐ ኣረዲኡ።
Subscribe to:
Post Comments (Atom)
No comments:
Post a Comment