Monday, January 9, 2012

በዓል ልደት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ


ብዓል ልደት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ከምእተባዕለ ከካብ ቦታኡ ዝበጽሓና ዜና ገሊጹ።
ኣብቲ ብምትሕብባር ሚኒስትሪ ዜና፡ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ኣብ ጅዳን ከባቢኣን ንግስነት ሱዑዲ ዓረብን ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል፡ ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ጅዳን ከባቢኣን ኣቶ ሃብተ ወልደገርጊስ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “ህዝቢ ኤርትራ ብፍቕሪ፡ ምትሕልላይን ምክብባርን ዝነብር ጭዋ ህዝቢ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ ሃይማኖታዊ በዓላቱ ብስኒት ብሓባር ዘብዕሎ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ናጽነቱ ንምርግጋጽን ልኡላውነቱ ንምውሓስን ዘካየዶ ሓባራዊ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትን 
ምዃኑ ሓቢሩ።ኣቶ ሃብተ ኣስዒቡ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ ዘይሕጋዊ እገዳ ንምዕባለኣን ገስጋሳን ንምቚጻይ 
ዝሓለነ’ኳ እንተኾነ፡ ብስሙር ሓይሊ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ክምከት ምዃኑ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።ኣቦ-መንበር ኣዋሃሃዲ ሽማግለ በዓላት ከተማ ጅዳን ከባቢኣን ኣቶ መሓመድ እድሪስ ኣፈንዲ ብወገኑ፡ ዓመተ 2012 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዓመተ ራህዋ፡ ሰላምን ብልጽግናን ክትከውን ብምምናይ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን ባህሎምን ክብርታቶምን 
ዓቂቦም፡ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታዊ መደባት ተሳትፎኦም ከምዘሐይሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ብርክት ዝበሉ ዜጋታትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ጽንብል ብዝተፈላለዩ ጣዕመ-ዜማታት ደሚቑ ምውዓሉ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

No comments:

Post a Comment