ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ?
ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ'ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም። ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡ እቲ ብቐዳምነት ክትግንዘቦ ዝግባእ ኣገዳሲ ጕዳይ ሕጋውነቱ ስለ ዝዀነ፡ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ኣብ ትሕቲ "ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ" ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ዝድህስስ ክኸውን ኢዩ። ንባህሪ ህ.ግ.ሓ.ኤ ከይመርመርካ፡ ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክቐውም ከም ዘይከኣለ ብግቡእ ንምግንዛብ እውን ስለ ዘይከኣል፡ እቲ ዝስዕብ "ደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ" ብዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ብፍላይ ኣብ ባህሪ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ፡ ነቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ኣሉታዊ ጽልዋኡን ከምኡ'ውን ነቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ መንጎ ላዕላዎት መራሕቱ ዝተጋህደ ምክፍፋልን ዘኸተሎ ሳዕቤናትን ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝድህስስ ክኸውን ኢዩ።
መልእኽቲ ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ከምቲ ዝተኣመቶ ናብ ኣንባቢ ብደንቢ ምእንቲ ክመሓላለፍ፡ ዝውቱር ዘይኰነ ናይ ትግርኛ ቃል ኣብ ዝተኸሰተሉ፡ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ኰይኑ ከይዕንቅፍ ብመማዝንቱ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መደምደታ ኣብ ክልቲኡ ክፋላት ዝተዘተየሉ ቀንዲ ነጥብታት ኣገዳስነቱ ንምጕላሕ ተጸሚቑ ቀሪቡ ኣሎ።
ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ
ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትጐናጸፍ ዕስራ ዓመታት ይሕለፍ ድኣ'ምበር፡ እቲ ክሳብ ሕጂ መንግስትዊ ስልጣን ንዕኡ ጥራይ ከም ዝብጽሖ ብሕታዊ ንብረት ንበይኑ ገቢቱን ካልኦት ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ከይሻረኻኦ ብሕጊ ኣጊዱን፡ ብህዝቢ ከይተመርጸ ዓሚጹ ክገዝእ ዝጸንሐን ገና'ውን ብሕጂ ከም ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ንመዋእል ንሱ ጥራይ ንኽገዝእ ዝሕንሕን ዘሎን ሰልፊ፡ እቲ ከም መተካእታን መቐጸልታን ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኰይኑ ንኸገልግል ተሓሊኑ ብ1994 ብህ.ግ.ሓ.ኤ ዝቖመ ሰልፊ ማለት እቲ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ) ዝብል ስም ዝተጠመቐ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ኣብ ውሽጡ ብምስጢር እናተዋሰአ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ዝነበረ ማሕበርነታዊ ሰልፊ፡ ኣብ መውዳእታ ሰማንያታት ማሕበርነታዊ ደንበ ፈሺሉ ብዘኽስፍ ኣገባብ ረሞቕ ኢሉ ምስ ፈረሰን እቲ ዝምራሓሉ ዝነበረ ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብ ከኣ ብሳዕቤኑ ተኻዒቡ ምስ ተነጽገን፡ "ተልእኾኡ ኣብ እዋኑ ብግቡእ ፈጸሙ'ዩ" ብዝብል ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ዝቐረበ ምስምስ፡ ብዘይ ደቂቕ ገምጋምን ዕቱብ ነቐፌታን፡ ዝህውጽ ሕቶታት ከየልዕል ብተርባጽ ማንም ኣብ ዘይተጸበየሉ ተነቃፊ ወቕቲ (ድሮ ናጽነት) ብሃንደበት'ዩ ኣቕሂምዎ፡፡ ብሰሪ'ዚ፡ ድሕሪ ናጽነት ንመጻኢ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብዝምልከት፡ ካብ ግርህና ዝነቐለ "እዚ ውድብ'ዚ ኣብ ውሽጢ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ብዘይ ገለ ጥርጥር ብህዝቢ ዝተመርጸ ሕጋዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምምስራት ድሕር ኰነ ክምህ ከይበለ፡ ካብ ዝሓለፈ ጉድለታቱ ተማሂሩን ልቢ ኣዕቢዩን ብሓድሽ መንፈስን ብሓድሽ መልክዕን ተወዱቡ ምስ ካልኦት መማዝንቱ ተወዳደርቲ ሃገራውያን ሰልፍታት ዝዳረግ ብጋህድን ብቕንዕናን ሓድሽ ፖለቲካዊ ሰልፊ ከቕውም'ዩ" ዝብል ሓፈሻዊ ሰፊሕ እምንቶን ዓቢ ትጽቢትን'ዩ ኔሩ። ድሕሪ ናጽነት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዎንታዊ ተስፋ ኣብ መንጎ'ቲ ኣብ ውሽጢ ኰነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ዓሲሉ ዝነበረ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ንሓርነታዊ ቃልስና መርሑ ናብ ዓወት ብምብጽሑ፡ ካብ ልባዊ ሓጐስን ሰናይ ትምኒትን ዝፈልፈለ ክከሓድ ዘይከኣል ክብ ዝበለ ኣኽብሮት ጥራይ ዘይኰነ፡ ምውቕ ዝበለ ተቐባልነት እውን ኣጥሪዩ ብምንባሩ ኢዩ።
ይኹን'ምበር፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕቲ ናጽነት ከምቲ ሰፊሕ እምንቶን ዓቢ ትጽቢትን ዝተነብረሉ፡ ካልእ ይትረፍ ኣብ ክንዲ ብመሰረት ውድባዊ ቅዋሙ (ኣብ ሰልሳይ ጉባኤኡ ብ1994 ንመበል ሳልሳይ ግዜኡ ዘጽደቖ)፡ ኵለን ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝሳተፈኦ ናጻን ፍትሓውን ሃገርዊ ምርጫ ንምክያድ ሃገራዊ ጻውዒት ዝገብር፡ ናይ ስልጣን ህርፋን ኣሕደሩ ስልጣኑ ከይተበደሀ ምእንቲ ኸናውሕ ብሕጊ ካልኦት ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ከይቆማ ብምእጋድ፡ ድብንርጽ ከይበሎ ንዕኡ ዝትክእ ሰልፊ ጥራይ -- ንህ.ግ.ደ.ፍ -- ተጓይ'ዩ ኣቖመ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ነዚ ሰልፊ'ዚ ንማለቱ (ሰልፊ ኣሎ ንኽበሃል) ተቐላጢፉ ዝመስረቶ: ከም ሓርነታዊ ግንባር መጠን ምስ ምጕንጻፍ ናጽነት ተልእኽኡ ስለ ዝፈጸመ፡ ህላወኡ ከም ፖላቲካዊ ሰልፊ ኰይኑ ንምቕጻልን ንመንግስታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ንምልባስን ኢዩ። እንተዀነ፡ ብሓድሽ ስም ምሉእ ብምሉእ እትውንኖን እትቆጻጸሮን ፖለቲካዊ ሰልፊ ብምምስራትካን፡ ብዕሊ ንኹሉ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ሃገርዊ ዜጋ ኣብ ትሓቲ ጽላል ሰልፍኻ ጥራይ ክጥርነፍ ብምፍቃድካን፡ ንዘይሕጋዊ መንግስታዊ ስልጣንካ ፈጺሙ ሕጋውነት ኣየልብሶን ኢዩ። ብኢደወነንካ ባዕልኻ ገባርን ሓዳግን ኰንካ፡ ንህዝብኻ ብጀካ ኣብቲ ንስኻ ዝመረቕካዮ ንረብሓኻ ዘገልግል ሰልፊ ጥራይ እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ካልእ ሰልፊ ከይጥርነፍ ምእጋድ ብርኡይ ብድዐ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንህዝብኻ ንዓኻ ንኸገልግል ከም ዝተፈርደ ምእዙዝ ጊልያ ጌርካ ምቝጻር እውን ኢዩ።ንህዝቡ ተማእዚዙ ከገልግል ዝግብኦ መንግስቲ፡ ብኣንጻሩ ብህዝቡ ተመሪጹ ከይተወከለ ብሓድሽ መለሳ ዘይብሉ መልክዕ ቀሪቡ ባዕሉ ንነብሱ "ህዝባዊ መንግስቲ" ብምስያም ብስም ህዝቡ ብጋህዲ ዝሽፍጥን ዝዕምጽን፡ ምስሉይ መንግስቲ እምበር ሓቀኛ ሃገራዊ ይኹን ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣይኰነን። በዚ መሰረት'ዚ፡ ናይ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ደሞክራሲያውነት ኰነ ሃገራውነት ብልክዕ ክፍርድ ዝከኣል፡ ብሕጋውነቱን ወኪልነቱን ከምኡ'ውን ብተግባራቱን ሜላታቱን እምበር በቲ እንታይነቱ ንምሽፋን ንሰልፉ ዝሰመዮ ዘንጸባርቕ ስም ኣይኰነን። ንስም ህ.ግ.ደ.ፍ ቀሪብና ምስ እንግንዘቦ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኰነ ኢሉ ኣብ መጸውዒ ስሙ "ህዝባዊ ግንባር" ዝብላ ክልተ ህቡባት (popular) ቃላት ዝለቀበሉ፡ ነቲ ኣብ እዋን ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘጥረዮ ተሰማዕነትን ዘሕደሮ ጽልዋን ግዜኡ ሓሊፉ ከይበረሰ እንከሎ፡ ከም ማግነት ሰሒቡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብርክት ዝበሉ ሰዓብቲ ንምምልማል ምእንቲ ክሕግዞ ኢዩ። እተን ዝተረፋ "ደሞክራስን ፍትሕን" ዝብላ ክልተ ተፈተውቲ ቃላት፡ ነተን "ህዝባዊ ግንባር" ዝብላ ቀዳሞት ክልተ ህቡባት ቃላት ዝተወሰኸአን እውን ህ.ግ.ደ.ፍ ብሓቂ ብደሞክራስን ብፍትሕን ዝኣምን ሰልፊ ስለ ዝዀነ ንእንታይነቱ ብልክዕ ንምንጽብራቕ ንኸገልግላ ኣይኰናን። እንተይ ድኣ፡ ኣጉል ዝዀነ ተስፋ ብምሃብ ሓቀኛ መልክዑ ንምኽዋል ንኸገልግላ ዝተለጠፋ ትርጕም ኣልቦ መቀናጀውቲ ቃላት እየን።
ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብህዝቢ ዝተመርጸ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ክሳብ ዝቐውም፡ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ብምቛም መንግስታዊ ስልጣን ይሓዝ ድኣ'ምበር፡ ንዘልኣለም ገዛኢ ደሪቢ ኰይኑ ንኽገዝእ ዝዀነ ሕጋውዊ መሰል ኣይተዋህቦን። ኤርትራ ከም ሓዳስ ሃገር መጠን ድሕሪ ናጽነት ምጕንጻፋ፡ ክሳብ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ዝተመርጸ ብሓቂ ነቲ ህዝቢ ዝውክል ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዝቐውም፡ ግዝያዊ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ከተቕውም ብርግጽ ወድዓዊ ኩነታት ዝጠልቦ ዝነበረ ኣድላዪ ስጕምቲ ኢዩ። ስሊዚ፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ድሕሪ ናጽነት ንሓጺር ካብ ሰለስተ ዓመታት ዘይነውሕ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ: መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ክጸንሕ ተደላዪ'ዩ ኔሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ድሕሪ ምውጋድን ምፍራስን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ)፡ እቲ ንሓርነታዊ ብረታዊ ቃልሲ መሪሑ ኣብ ዓወት ዘብጸሐ እንኮ ጥርኑፍን ዕጡቕን ሃገራዊ ውድብ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ፡ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብእኡ ጥራይ ክቐውም ካልእ ኣማራጺ ዘይነብሮ ኩነት'ዩ እውን ኔሩ። ይዅን'ምበር፡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ኪኖ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ብዊንታኡ ንዘይተውሰነ ዓመታት ክጸንሕ፡ ዘቕርቦ ምስምስ ብዘየገድስ፡ ፈጺሙ ሕጋዊ ኣይኰነን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ካብተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰልጣን ዝጸንሓለን ዕስራ ዓመታት፡ ብጀካ እተን ድሕሪ ናጽነት ዝሰዓባ ሰለስተ ዓመታት ናይ መሰጋገሪ መድረኽ (ካብ 1993-1997)፡ እተን ዝተረፋ ዓመታት ብዓመጽ ንናይ ህዝቢ ድልየት ዓምጺጹ ዝግዝኣለን ዘይሕጋውያን ዓመታት እየን።
ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ እዋን ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ዘደሊ ምሽብሻብ ከሳልጥ ሃገራዊ ሓልፍነት ተሰኪሙ'ኳ እንተነበረ፡ ንዝተሰከሞ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምቲ ትጽቢት ዝተነብረሉ ብግብእ ኣየማለኣን። ኣብ መጀመርታ ተስፋ ዝህቡ ከም ምቛም ኣስናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ምርጫ፣ ምንዳፍ ሃገራዊ ቅዋም፣ ከምኡ'ውን ምዕንባብ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ደሞክራስያዊ መስርሕ ንኽቕልቀሉ የፍቅድ ድኣ'ምበር፡ እዞም ኣዎንታዊ ተርእዮታት እዚኣቶም ካብ ቊጽጽሩ ወጻኢ ከይኖም ነቲ ከም ንጉሳዊ ስርዓት ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ንዘንተ-እለት ንክጸንሕ ዝነበሮ ሕልሚ ከይብርዝሉ ኣዝዩ ስለ ዝሰግአ፡ ውልዕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ'ዩ ጌሩ። እቲ ነዞም ኣዎንታዊ ተርእዮታት እዚኣቶም ውልዕ ኢሎም ከም ዝጠፍኡ ንምግባር ተበላሒቱ ብተጕላባ ዝመሃዞ እከይ ተግባር፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብናይ ዶብ ግጭት ኣሳቢቡ ዘየቕስን ኲናት ብምብራዕ ኣብ ኣእምሮ ኤርትራዊ ዜጋ ናይ ዕንዛይነት መንፈስ (mentality of victimization) ምሕዳር ኢዩ። ናይ ዕንዛይነት መንፈስ ዘሕደረ ዜጋ፡ ንህዝቡ ዝወርዶ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ምንጩ ግዳማዊ ተጻብኦታት'ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ መረርኡ ኰነ ተቓውሞኡ ኣንጻር'ቲ ዝብድሎ ዘሎ ሓቀኛ በዳሊ ማለት ኣንጻር'ቲ ብዓመጽ ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝገዝኦ ዘሎ ስርዓት ኣየቕነዖን ኢዩ። ካብዚ ሓለፉ'ውን ሓንሳእ ናይ ኲናት ሃዋህው ምስ ሰፈነ፡ ነቶም መንግስቲ ኤርትራ ብጉልባብ ድሕነት ሃገር "ኣብ ህጹጽን ዘይርጉእን ኩነታት ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን" ብዝብል ምኽኒት ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምዂላፍ ዝወሰዶም ዓንቀፍቲ ስጕምታት፡ ዕላምኦም ብሓቂ እንታይ ምዃኑ ንኽመምዮ ኰነ ንኸስተውዕሎ ይእግሞ ኢዩ። ገለ ካብቶም መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ንምዂላፍ ዝወሰዶም ዓንቀፍቲ ስጕምታት፡ ንኣብነት፥ ከም ንሃገራዊ ምርጫ ንዘይተወሰነ እዋን ምምሕልላፍ፣ ቅዋምን ደንብን መንግስቲ ከይጸደቐ ተወንዚፉ ከም ዝጸንሕ ምግባር፣ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝህባ ናጻ ናይ ብሕቲ ትካላት ክሳብ ፍቓድ ዝወሃበን ምእጋድ፣ ከምኡ'ውን ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዘይመንግስታዊ ህዝባዊ ትካላትን ብዕሊ ከይቆማ ዕድል ምኽላእ ዝኣመሰሉ ኢዮም። እዞም ዓንቀፍቲ ስጕምታት እዚኣቶም፡ ብርኡይ ደሞክራሲ ንኸይጥጥዕ ዝዕንቅጹ ብፍላጥ ዝተውስዱ መንግስታዊ ምትንዃላት'ኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር-ለኸ ሻቕላን ስግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ኲናት ሃዋህው ስለ ዝተተግበሩ፡ ምስቲ ልዑል ኣገዳስነቶምን ኣሉታዊ ሳዕቤናቶምን ዝዳረግ እቓልቦ ኣይተዋህቦምን።
ኣቓልቦ ኣይተዋህቦምን ጥራይ ዘይኰነ፡ መንግስቲ ኰነ ኢሉ ተረሲዕም ከም ዝተርፉ ንምግባር "ዶብና ብኣህጉራዊ ናይ ዶብ ሽማግለ ይግባይ ዘይብሉ ፍርዲ ተዋሂብዎ ክንሱ፡ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ ሕልሚ ስለ ዘለዋ ከም መንቀል ነገር ንኽትጥቀመሉ ኣብ ግብሪ ንኸይተውዕሎ ተዕጠጢ ኣላ" ብምባል፡ ናይ ኲናት ነጋሪት መዓልቲ- መጸ እናሃረመ ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣግልግሎት መጢጡ ደረት ግዜ ዘይብሉ ቀዋሚ ኣገልግሎት ከም ዝዀውን ጌርዎ ኣሎ። ብሓቂ ግን እቲ ንኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ቀዋሚ ኣገልግሎት ከም ዝዀውን ዝደልየሉ ምኽንያት፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ከይትጐብጣ ርኡይ ዝዀነ ስግኣት ስለ ዘሎ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ብሓንቲ እምኒ ብሓንሳእ ክልተ ኣዕዋፍ ንምቕታል ሰለ ዝደለየ ኢዩ። ንሱ ድማ፥ በቲ ሓደ ሸነኽ ነቲ ካብ መንእሰያት ኣንጻር ስርዓቱ ክለዓል ዝኽእል ንደሞክራሲ ዝጠልብ ተቓውሞታት ከይተበገሰ እንከሎ በሊልካ ብኣግኡ ንምምካን፣ በቲ ኻልእ ሸንኽ ከኣ ነቲ ብኣባላት ሰልፉን ሰበ-ስልጣን መንግስቱ ዝውነናን ዝእለያን ትካላት ዝከናወን ዘሎ ንረብሓኡ ዘገልግል ቊጠባዊ ውጥናት ብዘይተኸፍለ ጉልበት ንምስላጥ ኢዩ። እቲ ሓቂ ከምዚ ዝተገልጸ ይኹን ድኣ'ምበር፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና "ሃገርና ብጻዕርና ከይንሃንጽ፡ ኣንጻርና ብጐረቤት ሃገርና ንኸይንቐስን ኣብ ርእሲ ኲናት ምእዋጁ፡ ብዓብለቲ ዓበይቲ ሃገራት ዓለም (ኣመሪካን ሰዓብታን) ካብ ሓሰድ ዝተበግሰ ከም ቊጠባዊ እገዳ ዝኣመሰለ ቀጻሊ ባዕዳዊ ተጻብኦታት የጓንፈና ኣሎ" ብዝብል ፕሮፖጋንዳ ይታለል ስለ ዘሎ፡ ንሕቶ ደሞክራሲ ካብ ኣእምሮኡ ፈጸሙ'ኳ እንተዘይሰወሮ፡ ንግዜኡ ከም ዝድጕሎ ጌርዎ ኣሎ። ነዚ ክውንነት'ዚ ንምብራህ ንኣብነት፡ ንሓንቲ ኣብ ኣስመራ ዝቕመጣ ሓበሬታአን ካብ ረድዮ ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ቲቪ ኤረን ጥራይ ዝረኽበኦ ኣደ፡ ኤርትራ ንምንታይ ብሕቡራት ሃገራት ቍጠባዊ እገዳ ተበይንዋ? ዝብል ተራ ሕቶ ምስ እተቕርበለን፡ እቲ ካብአን እትረኽቦ መልሲ ብዘይጥርጥር፡ "መንግስትና ኣብ መትከል ናጻ ፖለቲካዊ መስመሩ ተመርኲሱ፡ ጽፉፍ መንግስታዊ ቊጠባዊ ውጥን ብምውጻእ ሃገርና ብዘይ ናይ ወጻኢ ዕዳ ብጽፍራ ፋሕተር እናበለት ቍጠባኣ ብዘደንቕ ፍጥነት (ካብ ዓለም ምሉእ ቀዳመይቲ ኰይና) ከም ዝምዕብል ይገብር ስለ ዘሎ፡ ሃጸያዊት ኣመሪካ ዓይና ምግባር ኣብይዋ ዘይተዓብለለትላ ተቐይማ ብምሕሳድ ብዝኣለመቶ ውዲት ኢዩ" ዝዓይነቱ መልሲ ኢዩ። እዚ መልሲ'ዚ፡ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጥማ ዘሎ ከሉ ዓይነት ጸገማት ንግዳማዊ ተጻባኦ ዘሳብብ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጎ ህዝብና ሰፊኑ ዝርከብ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ዘስረጾ ናይ ዕንዛይነት መንፈስ ኢዩ።
ዝዀነ-ዀይኑ፡ ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራ ዝሓልፈ ናይ መግዛእቲ ቊስላ ከየሕወየትን ከም ዕሸል ሃገር መጠን እግሪ ተኺላ ከይደልደለትን፡ ፈለማ ምስ የመን ብሰበብ ናይ ሓኒሽ ደሴታት፣ ጸኒሓ ኸኣ ምስ ኢትዮጵያ ብሰበብ ናይ ባድመ ዋንነት፣ ኣብ ዘየድሊ ብሰላምን ብልዝብን ክፍታሕ ዝግበኦን ዝኽእልን ናይ ኲናት ሓሽውየ ዝኣተወት ተገዲዳ ዘይኰነት፡ ብሰንኪ ዓንዳሪ ወተሃደራዊ ዝንባለ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኢያ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ምስ የመንን ኢትይጵያን ኣብ ልዕሊ ምንቛቱ፡ ምስ ጅቡቲ ብሰበብ ደረት ዶብ ከምኡ'ውን ምስ ሱዳን ብሰበብ ምልመላ ተቓወምቲ ስለ ዝተጐናፈጠ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ንመባእታዊ ሰብሃዊ መሰላት ዜጋታቱ ከይተረፈ ብምግሃሱ ብዓለሙ ተኻዒቡ "ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ" ዝብል ቅጽል ስም ምጥራዩ፡ ንናይ ቀርኒ ኣፍረቃ ሰላምን ርግኣትን ዝህውኽ "ነግራም ቀርኒ ኣፍሪቃ" ዝብል ቅጽል ስም'ዩ ወሲኹ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን፡ ብዘይ ሕማሙ ብምርሳን ተሓላቒ ናይ ሶማል ሕሰም ያኢ ኰይኑ፡ "ጸላኢ ጸላኢኻ ፈታዊኻ" ካብ ዝብል ማክያቨላዊ (ናይ ክፍኣት) ሜላ ተበጊሱ ንመግስቲ ኢትዮጵያ ንምጽራር ንኣልሸባብ ብምድጋፉ፡ ንፍተውቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትዓኰሉ ተኣፋፊ ዕድመኣ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣፍሪቃ (ድሕሪ ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ) ብሕቡራት ሃርራት ዓለም ቊጠባዊ እገዳ ዝተበየና ሃገር ከም ትኸውን ብምግባር የሳቕያ ኣሎ። ስለዚ፡ እቲ ቀንዲ ንሃገርና ኤርትራ ናብ እገዳ ዘብጽሓ ጠንቂ፡ ግዳማዊ ረቛሒ (ንኣብነት፡ ናይ ኣመረካ ሃጸይነት ተጻብኦ) ዘይኰነ፡ ውሽጣዊ ረቛሒ ማለት ናይ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ካብ ወተሃደራዊ ዕንደራን ሕልሚ ኣምባገነንነት መራሕቱን ዝመንጨወ ግጉይ ናይ ወጻኢ ሜላ ኢዩ።
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ኣብ ወጋሓታ ናጽነት ዝተኸሰተ ተስፋ ዝነበሮ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ስጕም ከየበለ ዝቖጸዮ፡ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸንሐ በቲ ኰነ ኢሉ ባዕሉ ዝፈጠሮ ናይ ዕንዛይንት መንፈስ ኣመኻንዩ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ነዚ ጕዳይ'ዚ ብዝምልከት ነቲ ደገፍቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምንታይ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ደሞክራሲያዊ መስርሕ ተጕናደቡ ሓደ ሰልፋዊ (ውልቀ-ምልካዊ) ስርዓት ክቐውም ከም ዝተደልየ ዘቕርብዎ ምጕት ምስ እንግንዘብ፥ "ልኡላውነትን ናጽነትን ሃገርና ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት፡ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን፣ ሕቶ ደሞክራሲ ብግቡእ ዝምለስን ብኣድማዕነት ኣብ ግብሪ ዝውዕልን ፍርያም ውጽኢት ዝርከቦን ኣብ ህጹጽ ናይ ኲናት ኲነታት ዘይኰነ፡ ኣብ ርጉእ ናይ ሰላም ኲነታት'ዩ፣ ስለዚ፡ ሕቶ ደሞክራሲ ክሳብ ባዕላውን ወድዓውን ኲነታቱ በሲሉ ዝናስብ (conducive) ሃዋህው ዝነግስ ተውንዚፉ ክጸንሕ ኣሎዎ።" ዝብሉ መጐተታት ኣቕሪቦም ክምጕቱ ንዕዘብ። ምስዚ ምጕቲ'ዚ ብምትእስሳር፡ ንዘይሕጋዊ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሕጋውንነት ንምልባስ፡ ነቶም ብትርን ብኒሕን ዝጣበቑሎም ክልተ ኣከራኸርቲ ጕዳያት-- ሃገራዊ ኣገልግሎትን ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእትን -- ምስ እንግንዘብ ድማ፡ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ "ድሕነት ሃገር ካብ ሕቶ ደሞክራሲ ስለ ዝዓዝዝ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብናይ ዶብ ግጭት ኣመኻኒኻ ወደብ ዓሰብ ንምጕባጥ ብስርዓት ወያነ ዝተበገሰ ወራር ብትብዓት መኪቱ ንምፍሻል፡ ድሕነት ሃገርናን ናጽነትናን ክዕቅብ ብዝነኣድ ውሕልነትን ፍጥነትን "ሃገራዊ ኣገልግሎት"ን "ክልተ ካብ ሚእቲ ቀረጽ"ን ኣዊጁ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ፡ ንልዑል ብልሃቱን ረዚን ሓልዮቱን ዘረጋግጽ ህያው ምስክር'ዩ" ብምባል ይጣበቕሉ። ንጥብቅነኦም ብግቡእ ንምርዳእ፡ ንስነታዊ መጐቶም (logical argument) ቅርብ ኢልና ምስ እንስተውዕለሉ፡ ስነቱ (its logic) "ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን።" ኣብ ዝብል ልባወ (rationale) ዝተምርኰሰ ምዃኑ ኢና እነስተውዕል። እዚ ልባወ'ዚ ግን፡ ብሓቂ መወዳእታ ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣግልግሎት"ን ዘይሕጋዊ "ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእቲን" ንምእዋጅ ዝድርኽ ብቑዕ መመኽነታ (justification) ድዩ? እቲ ብናይ ዶብ ግጭት ተመኻንዩ ብስርዓት ወያነ ዝተበገሰ ወራር ዝተባህለኸ ብሓቂ ናይ ዶብ ግጭትን ብስርዓት ወያነ ዝበተገሰን ድዩ? ንምዃኑኸ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ምስ ዝኽሰተ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኩነታት እናተቛረነ፡ ብዊንታ ገዛኢ ሓይሊ (ሰርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ) ንህዝቢ ከይተወከስካ ንዘይተወሰነ እዋን ክውንዘፍ ዘሎዎ ጐሲኻ እትሓልፎ ዘየገድስ ጕዳይ ድዩ?
ብርግጽ፡ እቲ "ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን።" ዝብል ልባወ፡ ኣድማሳዊ (universal) ሓቅነት ዘሎዎ ልባወ ኢዩ። እንተዀነ፡ "ሓባል መጠመቲኣ ትኰሓል" ከም ዝበሃል፡ ደገፍቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ረዚን ልባወ'ዚ ኣብ ዘይበትኡ ከጸባብቑ ዘዘውትርዎ ዘሎዉ፡ ነታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ እትሒዙ ብዝተኸተሎ ግጉይን ፋሽልን ኣመሓዳድራ፡ ንጥዑይ ዝነበረ ኣዒንታ ብሓበላ ዝሸፈና ሃገርና፡ ዂሕሊ ኲሒሎም ብምቊንጃው ካብ ዓይኒ ጠማቲኣ ዝኽውልዎ ስለ ዝመሰሎም ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ዝጭበጥ ጭብጢ የብሉን። ሃገርና ናጽነታ ዝተጐናጸፈት ብትኳቦ ዘይኰነ፡ ሰላሳ ዓመታት ብዝወሰደ ሰፍ ዘይብል ናይ ህይወት መስዋእትን ናይ ንዋት ብርሰትን ምምህማን ባህልን ምብትታን ስድራቤትን ምምዝባልን ምስዳድን ኣሽሓት ዜጋታትን ዝተኸሰሮ፡ መሪርን ጽንክርን ዕጥቃዊ ሓርነታዊ ገድሊ ምዃኑ ንኹሉ ሃገራዊ ዜጋ ብሩህ'ኳ እንተዀነ፡ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ግን እዚ ከበድ ክሳራ'ዚ ስለ ዘይተሰቀሮም፡ ሃገርና ብግስ ከይበለት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ጋሮ ፈጥራ እንደገና ናብ ደማዊ ኣዕናዊ ኲናት ምምላሳ ቅጭጭ ኣይበሎምን ዘሎ። በዚ ዝኣክል፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገርና ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ፡ ብኣረኣእያኦም ብስርዓት ወያነ ሃንደበት ብዘይ ገለ ሰበብ ስለ ዝተወረረት እምበር ካልእ ጣጣን እንታን የብሉን። እዚ ግን ሓቅን ጣቋን ዘሎዎ ኣይኰነን። እቲ ብምስሕሓብ ዋንነት ባድመ ተሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ብናይ ዶብ ግጭት ዝፍለጥ ኲናት፡ ውሽጠውሻጠኡ ንዝይፈልጥ ከምኡ'ኳ እንተመሰለ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ነቲ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምምስራት ተጀሚሩ ዝነበረ ተስፋ ዝህብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ብምጕንዳብ፡ ስልጣኑ ንምንዋሕ ተበላሒቱ ብውሳይ (ኰነ ኢሉ) ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ኢዩ። እዚ ሓቂ'ዚ፡ ኣብ መጀመርታ ማለት ኣብቲ ናይ ዶብ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ዝበዝሕ ሃገራዊ ዜጋ ነገራቱ ጋን ኰይንዎ ብምድንጋጽ ካብ ሃገራዊ ፍቕሪ ዝተላዕለ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ እኳ እንተደገፈ፡ ግዜ ብዝኸደ ነቲ ናይ ዶብ ግጭት መንን ንምንታይን ከም ዘሳወሮን ዘበገሶን ኲልዕ ኢሉ በሪህሉ'ዩ። በሪህሉ'ዩ ጥራይ ዘይኰነ እውን፡ መራሕቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ( ብፍላይ ከኣ ጃንዳ ኢሳያስ) ብልዝብ ምፍትሑ ንዘይተርፎ፡ ነቲ ናይ ዶብ ግጭት ኣጋኒንኖምን ኣታሊሎን ብጐነጽ ክፈትሖዎ ብምምጥጣር፡ ንዘይተጸብጸበ ቊጽሪ ውጉኣትን ስንኩላንን ገዲፍካ፡ ካብ 60 ሽሕ ንላዕሊ ስውኣትን ካብ 100 ሽሕ ንላዕሊ ካብ መነባርሮኦም ዝተማዛበሉ ሰለማውያንን ዘኸተለ ( ምስቲ ንናጽነት ኣብ ውሽጢ ሰላሳ ዓመታት ዝተኸፍለ ክሳራ ዝማዓራረ) ክውገድ ዝከኣል ዝነበረ ኣዕናዊ ኲናት ብምስዋሮም፡ ብመዓልቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊን ህዝብን ቀሪቦም ብሓልፍነት ሓደብሓደ ክሕተትሉ ምዃኖም ዘማትእ ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ተግባሮም ብሃገራዊ ክሕደትን ብርሰትን ህልቀትን ዘኽስስ ዓቢ ታሪኻዊ ገበን ኢዩ።
ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ፈለማ ናይቲ ኲናት(ኢትዮጵያ ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ቅድሚ ምክያዳ)፡ ካብቲ ብወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝሓዞ ስፍራታት (ብሕልፊ ኸኣ ካብ ባድመን ከባቢኡን) ክስሕብ ብኣግኡ'ኳ ናይ ሰላም ጻውዒት ብኣመሪካን ሩዋንዳን እንተቐረበሉ፡ "ካብ ዝሓዝናዮ ስፍራታት ንለቅቕ ማለት ጽሓይ ብምብራቕ ክትዓርብ'ያ ማለት'ዩ " ኣብ ዝብል ናይ መራሕ ሃገር (ፕረስደንት ኢሳያድ ኣፍወርቂ) ጸኒሑ መስሓቕ ሸራፋት ዝዀነ ትምክሕታዊ መርገጺ ተመርኲሱ ከኒቡ ከብቅዕ፡ ድሓር ኢትዮጵያ በቲ ዘካያደቶ ዘየድሊ ኣሽሓት ካብ ሰራዊታ ዝሃለቕሉ ዕውት ጸረ-መጥቃዕቲ፡ ንኹሉ ዘከራኽር ዝነበረ ናይ ዶብ መሬት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቊጽጽራ ኣእትያ ንቕድሚት ክትምርሽ ምስ ጀመረት፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተጓይዩ ን "ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ" ብምቕባል፡ ብኽብረት ገዲፉ ብሕስረት ካብ ዶብ ን25 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ንኽዓርድ ንዝጠልብ ስምምዕ ከይፈተወ ፈሪሙ፡ ንናይ ዶብ ግጭት ብኣማላድነት (ብዳኝነት) ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ብሰላም ክፈትሖ ወሲኑ። ስለዚ፡ እቲ "ብዘይ ሃገር ናጽነት የለን" ዝብል ብደገፍቲ ህ.ግ.ድ.ፍ ዝቐረበ ልባወ፡ ነቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ባዕሉ ዘባርዖ ኲናት ከም ገልባብ ተጠቒምካ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ "ድሕነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንከሎ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል እዋኑ ኣይኰነን" ብዝብል ምጕት ንገርሂ ልቦም ብምህማል፡ ንዕድመ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" እናመጠጥካ ንምንዋሕ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ንሕቶ ደሞክራሲ ሓንሳእ ኣመኻኒኻ ምስ ተወንዘፈ፡ ካብ ንውሓት ግዜ ዝተላዕለ ብእኡ ኣቢሉ ንሓውሩ ቅሂሙ ብምትራፍ፡ ንዘልኣለማዊ ምልካዊ ስርዓት ጥጡሕ መንገዲ ንምጽራግ፣ ዝቐርብ ዘሎ ዘይረብሕ ምኽኒት ምስሉያትን ተበለጽትን ኢዩ።
ናይ ናጽነት ኣምር ንሃገር ማለት ነቲ ብባንዴራን ዶብን ዝልለ ህይወት ዘይብሉ መሬታውን ባሕራውን ሰማያውን ልኡላዊ ግዝኣት ጥራይ ፈልዩ ዝምልከት ጸቢብ ኣምር ኣይኰነን። ናይ ናጽነት ኣምር ኣብ ሃገር ጥራይ ከይተሓጽረ፡ ብቐንዱ ንጐይታን ዋናን ናይታ ሃገር ማለት ነቲ ዝተፈላለያ ብሄራት ዝሓቖፈ ትንፋስ ዘሎዎ ህያው ፍጡር ማለት ነቲ መሰሉን ክብሩን ማንም ክግህሶ ዘይግባእ ህዝቢ እውን ዘጣምር ሰፊሕ ኣምር ኢዩ።ሃገርና ኤርትራ ካብ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእቲ ተገላገላ ናጽነታ ብምጕንጻፍ ልኡላውነታ ተረጋግጽ ድኣ'ምበር፡ ህዝባ ጌና ናጻ ስለ ዘይወጽአ ናጽነታ ብኹለንትናኡ ዘይተማልአ ፍርቂ ናጽነት'ዩ እንተተባህለ ርኡይ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ኣብዚ ኣብ ካልእ ከይሰገርካ ዋሕ ኢሉ ክበርህ ዘሎዎ ጀውሃራዊ (ሕመረታዊ) ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ድማ፥ ናጽነት ብቐንዱ ነቲ ህዝቢ ዝምልከት ሰፊሕ ኣምር'ዩ ክበሃል እንከሎ፡ ብልክዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኹሉ ብሩህ ክኸውን ከም ዘሎዎ ኢዩ። ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር ናጻ'ዩ ዝበሃል፡ መንግስቲ ናይታ ሃገር ብሃገራውያን ዜጋታት ዝቖመ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ መንግስቲ ናይታ ሃገር በቲ ህዝቢ ካብቲ ህዝቢ ዝተመርጸን፡ ንረብሓ ናይቲ ህዝቢ ዝከላኸልን፡ ነቲ ህዝቢ ዘገልግልን ምስ ዝኸውን ኢዩ። ብህዝቢ ዝተመርጸን ንህዝቢ ዝውክልን ህዝባዊ መንግስቲ ዘሎዋ ሃገር፡ ንኲለን ኣብቲ ሃገር ዘሎዋ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ንዝዀነ ወገን ከየጓነየትን ከየዳለወትን ከይገለለትን እተሳትፍ ሓቛፊት ሃገር'ያ ።ብተውሳኺ፡ ንረብሓ ህዝባ ዝከላኸል ቅዋምን ሕግን፡ ከምኡ'ውን ንህዝባ ዘገልግል ሰልፍታትን ማሕበራትን ኣብ ርእሲ ምህላዋ፡ ሰለስቲኡ ጨናፍራት መንግስታ -- ፈጻሚ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ፈራዲ ኣካልን -- ነንሕድሕዱ ዝቀያየድን ዝተሓላሎን ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ገዛእ-ርእሱ መንግስታዊ ስልጣን ኣሎዎ። ኲሉ ስልጣን መንግስቲ ከም ስልጣን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ሰብ (መራሕ ሃገር) ጥራይ ዝተጠቕለለ ስለ ዘይኰነ፡ እታ ሃገር ብዊንታን ወስታን ሓደ ውልቀ-ሰብ (መራሕ ሃገር) ክብ ወይ ግብ ኣይትብልን ኢያ። ከምኡ'ውን፡ ተዋጋኢ ኰነ ናይ ጸጥታ ሰራዊታ ካብ እደያ (ጣልቃ) መራሕ ሃገር ናጻ ሰለ ዝዀነ፡ መራሕ ሃገር ንተጻባእቱ ንምጽናት ዝጥቀመሉ መሳርሒ ኣይኰነን። ኣብ ልዕሊ'ዚ፡ እቲ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ካብ ቊጽጽር መንግስቲ ወጻኢ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ንሓቂ ንምድባቕ (ንምድባይ) ዲል ኣይህብን ኢዩ -- ማለት ከም ማዕከናት ዜና ህ.ግ.ደ.ፍ ንሓቂ ነገልግል ብዝብል ግብራውነት ዘይብሉ ባዶ ጭርሖ ንሓቂ ንምሽፋን ኣየገልግልን'ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ፡ እቲ ንረብሓ ህዝቢ ንምክልኻል ዝጸደቐ ቅዋምን ሕግን፡ ንዘይገሃስ ሰብሃዊ መሰላትን ክብርታትን ናጽነታትን ዜጋታታ ኣብ ርእሲ ምርግጋጹ፡ኣብታ ሃገር ስርዓትን ቅጥዕን ኣብ ምስፋን ከይተወሰነ ሰላምን ቅሳነትን እውን ሰለ ዝፈጥር፡ ህዝቢ ናይቲ ሃገር ኣብቲ ካብ ኢድ መንግስቲ ናጻ ዝዀነ ቊጠባ ናይታ ሃገር ብትግሃት ብምንጣፍ፡ ራህዋን ብልጽግናን ዝነገሳ ስልጥንቲ ሃገር ንምህናጽ ገፊሕ በሪ'ዩ ዘርሑ።
ኣቐዲሙ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ፡ ናጽነት ህዝቢ ዝረጋገጽ እታ ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ሃገር ህዝባዊ መንግስቲ ምስ እተቕውም ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ንክቐውም ብቐዳምነት እቲ መንግስታዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምንን ብግብሪ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ኲሉ ዘድሊ ዘበለ ረቛሒታት ዘማልእን (ንኣብነት፡ ምምስራት ናጻ ተወዳደርቲ ሰልፍታት፣ናጻ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ምጽዳቕ ቅዋምን ሕግን ወዘተ.) ክኸውን ኣሎዎ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ውልቃዊ ኰነ ህዝባዊ ናጽነት ደሞክራሲ ከይነገሰ ናብ ክውንነት ክልወጥ ኣይክእልን ኢዩ። በዚ ዝኣክል፡ ናጽነትን ደምክራስን ዘይነጻጸሉ ክልተ ገጻት ናይ ሓደ ተምሳል ኢዮም። ስለዚ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ከምቲ ደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ንዕምሪ ስርዓት መንግስቶም ንምንዋሕ ዝጣበቕሉ፡ ንዘይተውሰነ እዋን ዝውንዘፍ ዘይኰነ፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ "ዘየላቡ ጽንኩር ኩነታት" እናተባህለ ንዕስራ ዓመታት መመላእታ ዝተመጠጠ ወቕቲ፡ ክትግበር ዝነበሮን ሕጂ'ውን እንተዀነ ዘሎዎን ይጽናሓለይ ዘይበሃል ንህይወት ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብቐጥታ ዝትንክፍ ውዕዉዕ ሃገር-ለኸ ጕዳይ ኢዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ በቲ ንሕቶ ደሞክራሲ ንምርስሳዕን ንምድባይን ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ደገፍቱን ዝቐርብ ምስምሳት ከይተሃመለን ከይተደናገረን፡ ደሞክራሲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንኽሰፍን በብዓቕሙን በብዘለዎን ክቃለሰሉ ይግባእ።
እቲ "ብዘይ ሃገር ናጽነት፣ብዘይ ናጽነት ከኣ ደሞክራሲ የለን" ዝብል ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ ዝቐረበ ልባወ ዝጭበጥ መርትዖ ስለ ዘይብሉ፡ ንብይናት መወዳእታ ዘይብሉ "ሃገራዊ ኣግልግሎት"ን ዘይሕጋዊ "ቀርጽ ክልተ ካብ ሚእቲን" ንምእዋጅ ዝድርኽ ብቑዕ መመኽነታ ኣይኰነን።ምኽንያቱ፡ ከምቲ ደገፍቱ ዝብልዎ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"ን "ቀረጽ ክልቲ ካብ ሚእት"ን ዝበየነ፡ ብሓቂ ናጽነት ሃገር ንምዕቃብን ቊጠባ ሃገር ንምህናጽን ዘይኰነ፡ ነቲ ካልእ ብደገ ዘይርአ ዝተኸወለ ሸቶኡ ንምውቃዕ ኢዩ። ብርግጽ፡ ሓንቲ ሃገር ብባዕዳዊ ወራር ናጽነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ ናይ ሞት ወይ ሕየት ህሞት፡ ናጽነታ ንኽትዕቅብ ህጹጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክትእውጅ ግብእ'ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ነግፈረግ ዘይትብለሉ ኣድላዪ ሃገራዊ ናይ ድሕነት ስጕምቲ ኢዩ። ይኹን'ምበር፡ ብሓዊ ምጽዋት ዋዛ መሲልዎ፡ ብሰንኪ ዓንዳሪ ወተሃደርዊ ዝንባለኡን ኣምባገነናዊ ሕማም መራሕቱን ንልኡላውነት ሃገሩ ባዕሉ ዘድፍር ከም ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ስነ-ስርዓት ዘይብሉ ስርዓት፡ ነቲ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብሸለትነቱን ብትዕቢቱን ኣብ ዘይምልከቶ ውሽጣዊ ግዳያት እናተኣደየ "ጣኦት ጎደቦ" ተሸይሙ ብጎደብኡ ንኽምለኽ ኣሳዊሩ ዘባርዖ ኲናት፡ ዘገልግሎ ዘይነጽፍ ምንጪ ወተሃደራት ንኽምልምልን፡ ነቲ ኲናት ዝምውለሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኽድልብን፡ ዝእወጅ ብይን መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ "ሃገደራዊ ኣገልግሎት"ን ዘይሕጋዊ "ቀረጽ ክልተ ካብ ሚእት"ን ግን ግቡእን ኣድላዪን ኣይኰነን። ብሕልፊ "ሃገራዊ ኣገልግሎት"፡ ብጉልባብ "ምህናጽ ሃገር" ብዘይተኸፍለ ጉልበት ንመንግስታዊ ቊጠባዊ ውጥናት ንምስላጥ፡ ንመንእሰያት ብዘይድልየቶም በስገዳድ ገፊፍካ ይካልየድ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ዘብቃዓሉ ደረት ግዜ ዘይብሉን ንዘይምለስ ሸዊት ዕድመኦም ዝሰርቕን ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኩ ኣብ ወርሒ ብውሕዱ ክሳብ ክልተ ሽሕ ዝዀኑ መንእሰያት ካብ ኣደራዕ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ኣምሊጦም ይስደዱን ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ተገሪሆም ኣብ መጻወድያ ኣካላት ሰብ ዝነግዳ ናይ ማፍያ ውድባት ይወድቁን ምህላዎም ዘይከሓድ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። እቲ ኣዋጅ ክልተ ካብ ሚእቲ እውን እንተዀነ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ከይተወከስካ ብኢደወነንካ ዝተኣወጀ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብ ኤርትራ ንኸይምለሱ ንዝተደልዩ ንኣመሓዳድራኻ ዝቃወሙ ኣብ ወጻኢ ተሰዲዶም ዝነብሩ ዘሎዉ ንቑሓትን ንጡፋትን ባእታታት፡ ከም ዘይምለሱ ንምግባር ከምኡ'ውን ካብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዑቕበኛ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምምእራር ተሓሊኑ ዝተኣወጀ ኢዩ። በዚ መሰርት'ዚ፡ እቲ ተጣበቕቲ ንስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ካብ ሓላፍነት ሓራ ንምውጻእ፡ ክልቲኡ ብይናት "ድሕነት ሃገርናን ናጽነትናን ንምዕቃብ ዝተተግበረ፡ ንልዑል ብልሃትን ረዚን ሓልዮትን መንግስቲ ኤርትራ ዘረጋግጽ ህያው ምስክር'ዩ" ብምባል ውግሐ-ጸብሐ ዝጣበቕሉ ዘሎዉ ምጕት፡ ሓቅነት ዘይብሉ ዝተጋነነ ናይ ወደስቲ ጃህራ ኢዩ።
ኣብዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ "ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ" ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ክቐርብ ዝጸንሐ ትንተና፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዘየማትእ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ዋሕ ኢሉ በሪሁ ኣሎ። ካብዚ ቀጸልና፡ ኣብ ዝስዕብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ፡ ስርዓት ህ.ግደፍ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ሕቶ ደሞክራሲ ብምትኳር ንባህርዩን ስነ-ሓሳቡን ሜላታቱን ኣገንዚብና ብምትንታን ክንድህስሶ ኢና።
ንምንታይ ድሕሪ ናጽነት ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ዘይቆመ? (ካልኣይ ክፋል)
ኣብቲ "ሕጋውነት መንግስቲ ኤርትራ" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብምትንታን ዳህሲስናዮ። ብመሰረት'ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ዝቐረበ ትንተና ኸኣ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብኹሉ መለክዕታት ሕጋውነት፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘይኰነ ኣረጋጊጽና። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ፡ ንደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ ብኸፊሉ ክንድስሶ ኢና፡፡ ኣብቲ ዝስዕብ ሳልሳይ ክፋል ድማ ንዝተረፈ መቐጸልታ ናይዚ ካልኣይ ክፋል፡ ብዓቢኡ ኣብ ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ማርክሳዊ ስነ-ሓሳብን ምጕጅጃል መረሕነትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ ክንድህስሶ ኢና። ንካልኣይ ክፋል ኣብ ክልተ ንኡስ ክፋላት ምኽፋል ዘድለየ፡ ንኣብባቢ ብምንውሑ ኣረብሪቡ ንምክታትታሉ ብምስንኻል፡ ብሰንኩ እቲ ክመሓለልፍ ዝተኣመተ መልእኽቲ ብግብእ ከይተመሓላለፈ መታን ከይተርፍ ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብዚ ካልኣይ ክፋል እውን ዝውቱር ዘይኰነ ናይ ትግርኛ ቃል ኣብ ዝተኸሰተሉ ንእዝኒ ኣንባቢ ጋሻ ኰይኑ ከይዕንቅፍ፡ ኣብ ሓጹር ብመማዝንቱ ናይ እንግሊዝኛ ቃል ተሰንዩ ቀሪቡ ኣሎ።
ደሞክራሲያውነት መንግስቲ ኤርትራ
"ዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ብደሞክራሲያውነቱ ዝተኣማመንን ቅንዕና ዘለዎን ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ንደሞክራሲ ከም ኣበሳ ዘይኰነ ከም ጸጋ ጌሩ ስለ ዝሪኦ ከየማትአ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ፍቓደኛ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ምስኡ ዝወዳደራ ተቐናቐንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ምህላወን ስለ ዘየስግኦ፡ መግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ንምብሓት ክእግደን ኰነ ክዂንነን ኣይህቅንን ኢዩ። ከምኡ'ውን ንመግስታዊ ስልጣን ከም ንዕኡ ጥራይ ዝብጽሖ ብሕታዊ ንብረት ጌሩ ስለ ዘይወስዶ፡ ንዘልኣለም ንሱ ጥራይ ገዛኢ ኰይኑ ክነብር ህርፋን የብሉን። ካብዚ ዝተላዕለ፡ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ምርጫ ምስ ተቐናቐንቲ ሰልፍታት ተወዳዲሩ ከይሰዓር ፈሪሑ ካብ ውድድር ከምልጥ ድሕር-ምሕር ኣይብልን'ዩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብህዝቢ ከይተመርጸ ምስ ዝተርፍ እውን ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ ዕዉት ሰልፊ፡ ብሰላማዊ ኣገባብ መንግስታዊ ስልጣን ንምር`ካብ ሰጋእ-መጋእ ኣይብልን ኢዩ።"
እዚ ብፊተ-ግንባር ኣብ ጥቕሲ ኣቱዩ ከም መምዘኒ ደሞክራሲያውነት ከገልግል ቀሪቡ ዘሎ ክትሃድመሉ ዘይትኽእል ሓቅታት ዝሓዘለ በዳሂ ቃል፡ ንዝዀነ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ደሞክራሲያ'የ ዝብል ሰልፊ ዝምልከት ኢዩ። ብመንጽር'ዚ በዳሂ ቃል'ዚ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ተባሒቱ ዝቖመ መንግስቲ ኤርትራ፡ ደሞክራሲያውነቱ ከመይ'ዩ ዝምዘን?
ብቐዳምነት፡ መንግስቲ ኤርትራ ንደምክራሲ ከም ጸጋ ድዩ ከም ኣበሳ ዝሪኦ ዝብል ሕቶ ብምልዓል ንደሞክራሲያውነቱ ምስ እንመዝኖ፡ ሰልፉ ማለት ህ.ግ.ደ.ፍ ንደሞክራሲ ኣብ ክንዲ ከም ጸጋ ከም ኣበሳ ስለ ዝሪኦ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ፍቓደኛ ኣይኰነን። ብሳዕቤኑ፡ ዝዀነ ንደሞክራሲ ዘርጋግጽ ይኹን ዘውሕስ ቅዋምን ሕግን ከምኡ'ውን ደንብን ቅጥዕን ይትረፍ ብዕሊ ኣጽዲቑ ብእኡ ተቐይዱ ክምራሕ፡ ሳሕቲ ተጠቒሱ ክዝከር እውን ኣይፈቱን ኢዩ፡። ምኽነያቱ፡ ብቐጥታ ንስልጣኑ ዝብድህ ሰለ ዝዀነ ከም ዘይምልከቶ ጕዳይ ቆጺሩ ክሓልፎ'ዩ ዝመርጽ። ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዋላ'ኳ ኣብ መጸውዒ ስም ሰልፉ "ደሞክራሲ" ትብል ቃል ለቂቡ ብደሞክራሲ ዝኣምን እንተመሰለ፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምን ኣይኰነን። ንኣብነት፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ መራሕ ሃገር ኢሳያስ ኣፍወርቂ ምስ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ብዕለት 23 ግንቦት 2008 (ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መደብ ሪዝ ካሃን) ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ዝሃቦ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረ መልሲ፡ ነዚ ሓቂ'ዚ ዋሕ ኣቢሉ ዘብርህ'ዩ ኔሩ። ኢሳያስ ነቲ፥ "ደሞክራሲያዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ክትክተሉ (ንኣብነት፡ ሃገራዊ ምርጫ ከተካይዱ) መደብ ኣሎኩምዶ? ንዝብል በቲ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ ዝቐረበሉ በዳሂ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ ከም ኣመሉ ብቕጭውንናን ድርቅናን ንናይ ደሞክራሲ ሕቶ ብምቊንጻብ፡ ነቲ ሕቶ ብቐጥታ ክንዲ ዝምልሶ ካብቲ ሕቶ ብምህዳም "ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ብሕጂ ንሰላስ ዓመታትን ኪኖኡን'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኣይመስለንን" ብምባል፡ ንኣልጀዚራ ንደሞክራሲ ዝምልከት በዳሂ ሕቶታት ብምሕታታ ብሃሱስነት ሃጸያዊት ኣመሪካ እናኸሰሰ፡ ብብድዐ ኣዳዕዲዑ ንደሞክራሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ስርዓቱ ኣብ ዝዀነ እዋን መደብ ከም ዘይብሉ'ዩ ኣረጋጊጽሉ። እዚ ናይ ብድዐ መልሲ'ዚ፡ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዘቕርቦ ዝተፈላለየ መጠበሪ ምስምሳት ብዘየገድስ፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ከም ዘይኣምን ዘረድእ መርትዖ ኢዩ። ኢሳያስ ደሞክራሲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ብኡንብኡ ዘይተተግበረሉ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ ንዘቕርቦ ትንተና ምስ እንግንዘቦ፡ ትንተናኡ፥ "ደሞክራሲ ሕልፊ ካልኦት ብጾትካ ገስጋሲ መሲልካ ምእንቲ ክትቀርብ ንትግባረነቱ (its applicability) እንተዘይኣጋኒንካዮ፡ ብመሰረቱ ነተን ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት (ኣብአን'ውን እንተዀነ ብኣድማዕነትን ብጽፈትን ስለ ዘይትግበር፡ ከምቲ ዝጋነኖ ንረብሓ ሓፋሽ ህዝቢ ዘይኰነ፡ ንረብሓ ኣመና ውሕዳት ፍሉይ ሓለፋ ዘሎዎም ጕጅለታት'ዩ ዘገልግል) ዝምልከት ኣብ ክብ ዝበለ ምዕባለ ሕበረተሰብ ምስ በጻሕካ ጥራይ ክትግበር ዘሎዎ ምዕራባዊ ፖለቲካዊ ያታ ኢዩ" ኣብ ዝብል ሓድሽ ባዕሉ ዝመሃዞ ፈሊጥ (notion) ዝተመርኰሰ ምዃኑ ኢና እነስተውዕል። ኢሳያስ ካብዚ ፈሊጥ'ዚ ዝመንጨወ፡ "ባዕላውን ወድዓውን ቅድመ-ኲነታት ደሞክራሲ ከይተማለአ፡ ማለት ደሞክራሲያዊ ትካላት ከይተመስረታን ደሞክራሲያዊ ንቕሓት ከይተዀስኰሰን፡ ሕቶ ደሞክራሲ ምልዓል ሕንፍሽፍሽ ምዕዳም'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ሓፋሽ ህዝቢ ኣቐዲሙ ሃገርዊ ሓድነቱ ከየደልደለ፡ ማለት ካብ 'ድሑር ሃይማኖታውን ብሄራውን ኣውራጃውን ዝንባለታት' ሓራ ከይኰነ፡ ደሞክራሲ ምጥላብ በዚ ድሑር ዝንባለታት'ዚ ተጐጃጂሉ ኣደዳ (መፍቶ) ተበልጸቲ ኰይኑ ንኽተርፍ ዲል ምሃል ኢዩ፤ ስለዚ ኸኣ፡ ክሳብ እዚ እተጠቕሰ ቅድመ-ኲነታት ደሞክራሲ ዝማላእ ተወንዘፉ ክጸንሕ ኣሎዎ" ዝብል እምንቶ'ዩ (viewpoint) ዘሎዎ። ኢሳያስ ንኣግዳስነት ናይዚ ኣረኣእያኡ (እምንቶኡ)፡ "ንወገናዊ ምፍላላይ ህዝቢ (vertical polarization of people) ዝውግድ መድሕን'ዩ" ብምባል'ዩ ዝገልጾ። እቲ ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ወግዓዊ መርገጺ ደሞክራሲ፡ ብቐንዱ ካብዚ እምንቶ'ዚ ዝነቐለን ንዕኡ ዘቃልሕን ኢዩ።
ብመሰርት'ዚ እተጠቕሰ እምንቶ፡ ኲሉ ምስ ደሞክራሲ ተዛሚዱ ዝኸይድ ከም ቅዋምን ደንብን፣ ሕግን ስርዓትን፣ ናጻ ናይ ዜና ኣገልግሎት፣ ሃገራዊ ምርጫ፣ ከምኡ'ውን ተወዳደርቲ ሰልፍታት ዝኣመስለ ደሞክራሲያዊ ተርእዮታት: እዋናዊ ኣድላይነት ኰነ ግብራውነት ስለ ዘይብሉ፡ ክሳብ ኣብ ሃገርና ባዕላውን ወድዓውን ቅድመ-ኩነታት ደሞክራሲ በሲሉ ዝናስብ [(ዝምችእ) = (conduicive)] ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝፍጠር ወይ ዝምዕብል ተወንዚፉ ክጸንሕ ኣሎዎ። ኢሳያስ ንነብሱ ባዕሉ ብህዝቢ ከይተመርጸ መራሕ ሃገር ዝቐብአ (ዝሸመ) ውልቀ- መላኺ ክነሱ፡ ንሱ ግን ንነብሱ ከም ሕጋዊ መራሒ ጥራይ ዘይኰነ ንሃገሩ ክመርሕ ከም መዳርግቲ ዘይርከቦ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ተውህቦ ዝተዓደለ ብርቂ [(ዘይርከብ ) = (rare)] ፍጡር ጌሩ ስለ ዝቖጽራ፡ ንዝበሎ ቃል ከም ፍጹም ሓቂ ወሲድካ ብዘይ ገለ ምምታእ (ምውልዋል) ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ'ዩ ዝጽበ። ካብዚ ሓሊፉ'ውን ከምዛ ናጻ ኰይኑ ዝሓስብ ናጻ ህላወ ዘሎዎ ኣእምሮ ዘይተዓደልካ፡ ከምቲ ንሱ ዝሓስቦ ጥራይ ክትሓስብ'ዩ ዝደሊ። ምኽንያቱ፡ ኤርትራ ብኢሳያሳዊ ኣረኣእያ ፍጥር ካብ እትብል እትሒዛ ንዕኡ ዝዳረግ ሊቅ ኣፍሪያ ስለ ዘትፈልጥን ብሕጂ'ውን ከተፍሪ ስለ ዘይትኽእልን፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብናቱ ኣተሓሳስባ ተመሪሑን ንዕኡ ተኸቲሉን ጥራይ ክኽይድ እንከሎ'ዩ ኣብ ኲሉ መዳያት ህይወቱ ዝዕወት። እቶም "ንሱ-ንሕና፡ ንሕና-ንሱ !" እናበሉ ዝጭርሑ ጽኑዓት ደገፍቲ ኢሳያስ፡ ከምቲ "ዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውቤ ክብል ይነብር" ዝበሃል ምስላ ሓንሳእ ኢሳያስ ምስ በሉ ኢሳይስ ክብሉ ዝነብሩ ዘለዉ፡ በዚ ክግለጽ ዝጸንሐ ኣምልኾ ውልቀ-ሰብ (personality cult) ዘተባብዕ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ፡ ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ስለ ዝተደፍነን ናይ ምግንዛብ ሕልናኦም ስለ ዝዓረበን ኢዩ። ይኽደኖም ይዋኣት ኣሕዋትና፡ ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ክእለቶም ብምስላቦም ከሕዝኑኻ !!!
ምስዚ ናይ ኢሳያስ ኣቐዲሙ እተገልጸ ሓዲሽ ናይ ደሞክራሲ ፈሊጥ ብምትእስሳር፡ ነቲ ብኣጋጣሚ መወዳእታ ዓመት 2011 ብናይ ዜና ማዕከኑ (ቲቪ-ኤረ) ምስኡ (ብጋዜጠኛ ሱሌማን ዑስማን ዓበ) ዝተኻየ ኣብ ኣርባተ ተኸፈሉ ካብ ነሓሰ 28 ክሳብ 31 (2011) ዝቐረበ ተኸታታሊ ቃለ-መጠይቕ፡ ማለት ኣብቲ ብፍላይ ምስ ርሱን ናይ ዞባና ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተኸሰተ ኣቓልቦ ዓለምና ዝሰሓበ ናይ ለውጢ ህዝባዊ ማዕበል ኣዛሚዱ ቃሉ ዝሃበሉ ክፋል፡ ነቲ ብዛዕባ ደሞክራሲ ዘፍሰሶ ርእይቶ ቀሪብና ምስ እነስተውዕለሉ፡ እቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣብ ምዕቡላት ዘይኰነ ኣብ ማዕበልቲ ሃገራት ይካየድ ስለ ዘሎ፡ ኢሳያስ ነቲ ናይ ለውጢ ህዝባዊ ማዕበል ከም ንደሞክራሲ ዝጠልብ ዘሎ ምንቅሳቓስ ዘይኰነ፡ እንታይ ድኣ ከም ንፍትሒ ዝጠልብ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣምሲሉ'ዩ ገሊጽዎ፡፡ ነቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ማዕበል ኣመልከቱ ክትንትን እንከሎ፡ ደሞክራሲ ትብል ቃል ብቐጥታ ሓንሳእ እውን ይኹን ከይጠቐሰ፡ ንጠንቂ ናይቲ ህዝባዊ ናዕቢ ምስ ጉድለት ፍትሒ ብምቊራን፡ "እዚ ኣብ ከባቢና ዝተኸሰተ ዓጋቲ ዘይብሉ ህዝባዊ ናዕቢ (ኣቐዲሙ ዝተወደበ ሰውራ ዘይኰነ ዝተማህዘ ሕንፍሽፍሽ'ዩ (creative chaos) እናበለ ከምዛ ዘየነኣኣሶ) ካብ ጉድለት ፍትሒ ዝተላዕለ'ዩ ብምባል ብድብድቡ ሸፈፍ ኢሉ'ዩ ሓሊፍዎ። ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ'ዚ፡ ኢሳያስ ጠለብ ናይቲ ህዝባዊ ናይ ለውጢ ናዕቢ፡ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ናይ ደሞክራሲ ጠለብ 'ኳ እንተዀነ፡ "ካብ ጉድለት ፍትሒ ዝተላዕለ'ዩ" ብምባል ክንዲ ''ደምክራሲ" ትብል ቃል ዝጥቀም "ፍትሒ" ትብል ቃል ክጥቀም ዝመረጸ፡ ብገርሂ ዘይኰነ ብፍላጥ ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ዝሃቦ ዘሰልቹ ነዊሕ መልሲ ደሞክራሲ እትብል ቃል ንምጥቃሳ'ውን ዝፈርሐ ህዝብና ንዘሎዎ ህሉው ኩነታት (ሓሳረ-መከራ) ምስ ናይ ከባቢና ኩነታት ብምንጽጻር፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ብምልዓል ናብኡን ናብ ስርዓቱን ዝቐንዐ ህዝባዊ ናዕቢ ከየተንስእ ስለ ዝሰግኣ እምበር ካልእ ቊንቊኛ ስለ ዘሎዎ ኣይኰነን። እቲ ኣብዚ ቃለ-መጠይቕ'ዚ፡ በቲ ጋዜጠኛ (ሱሌማን ዑስማን ዓበ) ዝቐርበሉ ዝነበረ ኣቐዲሙ ተመኺርሉ ዝተዳለወ ሕቶታት፡ ዳርጋ ዂሉ ሓፈሻውን ዕምሉግን (ዘይንጹርን ዝተሓላለኸን) ይንበር ድኣ'ምበር፡ ፈውሲ ሞት ብፍላጥ ዝተዋደደት ሓንቲ እትብላዕ ምስ ደሞክራሲ ዝተኣሳሰረት ሕቶ ኔራቶ። ንሳ ድማ፥ "ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዝዀነ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ተሳቲፉ ዓሰርተ ሳዕ ተዓዊቱ ከም ዝወጽእ ዘጠራጥር ነገር'ኳ እንተዘይህለወ፡ ንሃገራዊ ምርጫ ተወዚፉ ክጸንሕ'ዩ ወሲኑ፣ ንውሳነኡ ዘይተረድእዎ ወገናት ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ፡ ክቡር ፕረዚደንት ምኽነያቱ ከተብርህልናዶ ምኸኣልካ? " እትብል ሕቶ ኢያ። ኢስያስ ነዛ ፍልይቲ ሕቶ'ዚኣ ዝሃቦ መልሲ፡ እቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ብዝርዝር ዝተዘተየሉ ምስ ናይ ዶብ ግጭት ዝተቛረነ፡ "ኣብዚ ሃገርና ዘላቶ ዘይርጉእ ናይ ኲናት ሃዋህው፡ ሃገራዊ ምርጫ ምክያድ (ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ምልዓል) እዋኑ ኣይኰነን" ዝብል መልሲ (ምስምስ) ኢዩ። ኣብዚ ፍሉይ ሕቶን መልስን'ዚ ተነጺሩ ዝተቐልዐ ተገራጫዊ ስነት (logic) ኣሎ። ንሱ ድማ፥ እንተድኣ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ዓሰርተ ሳዕ ብተኸታተሊ ተወዳዲሩ ከም ዝዕወት ዝተኣማመንን ዘረጋግጽን ኰይኑ፡ ሕራይ እስከ እቲ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ዶቦ ግጭት ሓደ መዕሊቢ ክሳብ ዝርከቦ ተወንዚፉ ከም ዝጸንሕ ተጌሩ ኣሎ ተባሂሉ ብዝቐረበሉ ምኽንያት መሰረት፡ ዕላምኡ ብዘየገድስ፡ ከም ሓቂ ወሲድና ንቀበሎ፤ እቲ ቅዋምን ደንብን ሕግን ስርዓትን ሃገር ግን እንታይ ክዋሪ'ዩ ተወንዚፉ ኣብ ከብሕታት መንግስቲ ድሮና ዝስትን ብርስሓት ዝጥቅርን ዘሎ? እተን ተቓወምቲ ውድባትከ እንታይ ስለ ዝኣበሳ እየን ኣብ ውሽጥ ሃገር ንኸይኣተዋ ምኽልካል ከይኣኽለን፡ ህላወኣን ተኻሒዱ ዝተወገዛን ዝተዀነናን ዝተኣገዳን? ንምዃኑ፡ ምውንዛፍ ቅዋምን ደንብን ሕግን ስርዓትን መንግስቲ ኰነ ምውጋዝን ምኽኲናንን ምእጋድን ናይዘን ተቓወምቲ ውድባት፡ ንባዕሉ ብጕሉሕ ኣፍንን ግብርን ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሓደ ተጣሚሩ ከም ዘይከይዶ ኣይኰነን ዋሕ ኣቢሉ ዘረድእ? ከምኡ'ውን እዚ ዘይደሞክራሲያዊ ተግባራት'ዚ፡ ንገዛእ ርእሱ ከም ጭብጢ ተወሰዱ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደሞክራሲያውነቱ ዘይተኣማመንን ቅንዕና ዘይብሉን መንግስቲ ምዃኑዶ ኣይኰነን ኲልዕ ኣቢሉ ዘርኢ?
ዝዀነ- ዀይኑ፡ ደሞክራሲ ከም ዘለላ ተኽሊ ወይኒ ክሳብ ዝበስል ግዜ ንሃቦ ተባሂሉ ክበስል እተጽበዮ ነገር ኣይኰነን። ደሞክራሲ ነቲ ዘይገሃስ ህዝባውን ውልቃውን መሰላትን ክብርታትን ናጽነታትን ዝምልከት ስለ ዝዀነ፡ ብህዝቡ ከይተመርጸ ይኹን ብህዝቡ ተመርጹ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዘ ሰልፊ፡ ቃሕ ኣብ ዝበሎ ኣጋጣሚ ወይ ከኣ ዊን ኣብ ዝበሎ ግዜ ከም ሻሙ ንህዝቡ ዝምጽውቶ ምጽዋት ኣይኰነን። ምሳኻ ዝውለድ፡ ንምርድኡ ፈላስፋ ዘየድልዮ፣ ንኽበስል ግዜ ዘይወስድ፣ ንምትግባሩ ወረጃ ዘይህሓትት፣ ንነፍስወከፍ ዜጋ ብዘይኣድልዎ ዝተዓደለ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ኢዩ። ነቲ ህዝቢ ዝተውህበ ማንም ክምንዝዖ ዘይብሉ ሰማያዊ ህያብ እምበር መንግስቲ ዝውንኖ ንብረት ወይ ከኣ መራሕ ሃገር ዝዕድሎ ብልጫ ኣይኰነን። ስለዚ፡ መንግስቲ ይኹን ኣፈኝኡ (መራሕ ሃገር)፡ ንደሞክራሲ "ክሳብ ደረጃ ናብራኹም ዝመሓየሽን ንቕሓትኩም ክብ ዝብልን ተዓጊስኩም ጽንሑ" ብምባል ግዜኡ ክሳብ ዝመጽእ ብኢደወነኑ ዝውንዝፎ ጕዳይ ኣይኰነን። ይጽናሓለይ ከይበልካ ጽባሕ ዘይኰነ ሕጂ ብዘይሸብዳዕዳን ሕልክስክስን ክትበር ዘሎዎ ኢዩ። ምኽነያቱ፡ ናጽነት ክብረት እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ፍትሒ'ዩ፣ ናጽነት ዋንነት እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ መሰል'ዩ፣ ናጽነት ግርማ እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ከራማ (dignity)'ዩ፣ ከምኡ'ውን ናጽነት ጻማ እንተዀይኑ፡ ደሞክራሲ ጸጋ'ዩ። ደሞክራሲ ጸጋ ካብ ኰነ፡ እስከ ነቲ ንደሞክራሲ ዝምልከት ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈለጥ ምልስ ኢልና ፈሊጥነቱ (ትርጕሙ) እንታይ ምዃኑ ንመልከቶ !
ትሕዝቶ ናይቲ ንደሞራሲ ዝምልከት ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈልጥ መሚኻ ምስ እንትንትኖ፡ እቲ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፥ "ደሞክራሲ ደረጃ ብደርጃ ዘገም ኢልካ ዝሰላሰል ነዊሕ መስርሕ ስለ ዝዀነ፡ ብትዕግስቲ ክሳብ ደረጃ ናብራ ህዝቢ ዝመሓየሽን ፖለተካዊ ንቕሓቱ ክብ ዝብልን ደሞክራሲያዊ ትካላት (ህዝባዊ ማሕበራትን ውድባትን) ከቕውም ብቕዓት ዝድልብን፡ ምጽባይ ዘድልዮ ዕትብ ጕዳይ ድኣ'ምበር፡ ብግዳማዊ ተጽዕኖ ተንበርኪኽካ ናይ ምዕራባዊ ዓለም ተቐባልነት ንምርካብን "ደሞክራሲያዊ መንግስቲ" ዝብል ትርጕም ኣልቦ ሕላገት ንምእሳርን፡ ተሃዊኽካን ተሃንዲድካን እትትግብሮ ቀሊል ጕዳይ ኣይኰነን" ዝዓይነቱ መልእኽቲ ምዃኑ ኢና እንግንዘብ። ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት፡ ብመትከል ብደሞክራሲ ዘይኣምን'ኳ እንቲዀነ፡ ንመንግታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ከልብስ ግድን ስለ ዝዀነ፡ ንናይ ደሞክራሲ ኣምር ንዕኡ ብዝጥዕም ኣገባብ ገሊጹ ከቕርቦ ክትሪ ዘገርም ኣይኰነን፡፡ ኲሎም ውልቀ-ምልካውያን ንደሞክራሲ ከከም ዝምእምኦም (ከከም ዝጥዕሞም) ስለ ዝገልጽዎ፡ ብዙሕ ሕብርታት'ዩ ዘሎዎ። ስለዚ፡ ትርጕሙ ብዙሕ ሕብርታት ምሓዙ ኣየገርምን ኢዩ። እቲ ዘገርም እቲ ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይዋሃቦ ግን ኣድማዒ (effective) ኣጠቓቕማ ቋንቋ ውልቀ-መልለኽቲ ኢዩ። ቋንቋ ብግቡእን ብውሕልነትን እንተተጠቒምካሉ፡ ነቲ ከተመሓላፎ እትደልዮ መልእኽቲ ብኣድማዕነት ንምትሕላፍ ዘገልግል ሓያል መሳርሒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሃገራዊ ስምዒታት ብምቕስቃስ ብርክት ዝበሉ ሰዓብትን ተደናገጽትን ንምጥራይ እውን ዝሕግዝ ሓያል ናይ ፕሮፖጋንዳ ማዕከን ኢዩ። ኲሎም ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ውልቀ-መልኽቲ ነዚ ናይ ቋንቋ ተራ ብግቡእ ስለ ዝግንዘብዎ፡ ብጻዕቂ ኣዘውቲሮም'ዮም ዝጥቀምሉ። እዘን ዝስዕባ ክልተ ኣብነታት ናይዚ ሓቂ'ዚ ጕሉሕ መርኣያታት ኢየን።
እቲ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ብካድረታት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብቐጻሊ ነባራት ሰዓብቲ ንምዕቃብን ሓደሽቲ ሰዓብቲ ንምምልማልን ዝሰላሰል ዘሎ ዘይተኣወጀ (ብሰላሕታ) ንደሞክራሲ ዝምልከት ጐስጓስ፡ ንሃገራዊ ስምዒት ኣረሳሲኑ ምድንጋጾምን ምትሕብባሮምን ምእንቲ ከደንፍዕ ብዝምስጥ ሓያል ቋንቋ'ዩ ተዋዲዱ ዝቐርብ። መልእኽቲ ናይቲ ንደሞክራሲ ዝምልከት ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈልጥ ንኣብነት፡ ብኸምዚ ዝስዕብ መልክዕ ማዕሪጉ'ዩ ዝቐርብ ፦
"ደሞክራሲ ብስምዒት ሓኒንካ ንኽትትግብሮ ዘጓዪ ናይ ሓጺር ኣዋርሕ ፍጻመ ዘይኰነ፡ ልቢ ምዕባይን ኣርሒቕካ ምጥማትን ዘድልዮ ናይ ነዊሕ ዓመታት መስርሕ ኢዩ። ስለዚ፡ ንደምክራሲ ኣብ ናይ ቀረባ መጻኢ ማለት እቲ ናይ ዶብ ግጭት ሓደ መዕለቢ ምስ ተረኽቦን፡ እቲ ንደሞክራሲ ብኣድማዕነትን ጽፈትን ንምትግባር ዘኽእል ባዕላውን ወድዓውን ኩነታት ምስ በሰለን፡ ኣብ ግበሪ ምውዓልና ስለ ዘይተርፍ፡ ንናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ተጻኦታትን ወቐሳታትን ጸማም እዚኒ ሂብና ንኺድ ጥራይ -- ንቕስሚት ንገስግስ ንፈጠራ ዓለምና -- ኣብ መወዳእታ ድልድል ጕዕዞና ድሙቕ ብርሃን ኣሎ፡ ድሙቕ ብርሃን ጽሓይ ራህዋ ዝዓሰሎ !!!"
ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ብተቓወምቲ ውድባት ዝቐርብ ናይ ደምክራሲ ጠለብ ንምቊንጻብ ዘካይድዎ ጐስጓስ እውን ምስ እነስተብህለሉ፡ ሓይሊ መልእኽቱ ብዝያዳ ኣብ ትሕዝቶኡ ዘይኰነ ኣብ ቋንቋኡ ዛዚዩ ኢና እንረኽቦ። እዚ ዝስዕብ ተወሳኺ መረዳእታ ነዚ ተርእዮ'ዚ ኣነጽር ኣቢሉ ዘረድእ ኢዩ፦
"ሃገር ዝለምዕ፡ ሓድነት ዝጽንዕ፣ ብልጽግና ዝርከብ፡ ህዝቢ ዝዓግብ፣ ንቕድሚት ዝግስገስ፡ ራህዋ ዝነግስ፣ ሰላም ዝሰፍን፡ ፍልጠት ዝስስን፣ ብክትዕን ብምጕትን፡ ብምፍልላይን ምግምማዕን ዘይኰነ፡ ብሓደ ሰልፊ ተመሪሕካን ኣብ ሓደ ተጠርኒፍካን ብዝዕመም ጻዕርን ዕዮን ከምኡ'ውን ተወፋይነትን መስዋእትን ኢዩ። ንሳቶም (ተቓወምቲ ) ግደፍዎም ይለፍልፉ፡ ይንቀፉ፣ ይራግሑ፡ ይንብሑ፣ የዕዘምዝሙ፡ ይጓዝሙ፣ ይባዝሑ፡ ይራብሑ፣ ይተኣዘዩ፡ ይጐዛዘዩ ፤ ንሕና ግን ከይተሓለልና ሃገርና ክንሃንጽን ቊጠባና ከነደንፍዕን ንዕየ፣ንጽዓር፣ንልፋዕ ውዒልና ሓዲርና ግድን'ዩ ራህዋን ብልጽግናን ከነንግስ ፣ ተድላን ጽጋብን ክንርስርስ !!!"
ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባት ዘሎዎም ክቱር ንዕቀት ብምንጽብራቕ ከምዚ ይብሉ፦
" … ንዓኣቶም (ነቶም ተቓወምቲ) ግዲ ኣይትግበርሎም ! -- ሕልሞም ኣብ ስልጣን ምውጣሕ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ገና ኣብ ስልጣን ከይመጽኡ ዝዓበየ ስልጣን ክረኽቡ ነንሓድሕዶም ክዋጠጡ መሬት'ዩ ዝዓርቦም፡፡ ምኽንያቱ፡ ንረብሓኦም እምበር ንረብሓ ህዝቦም ዘቐድሙ ኣይኰኑን። ንዘይገብርዎ ስለ ዝነግርዎ እዝኒ ኣይትሃዎም ! -- ለብለብ እትብል ዘይትዓርፍ መልሓስ እምበር፡ ሸፈድፈድ ዝብላ ኣእዳው የብሎምን። ናይ ህዝብና ሓቀኛ ወከልቲ ንሳቶም እቶም ኣብ ማዕዶ ዘሎዉ ዘይኰኑ፡ ንሕና እቶም ምስኡ ዘሎና ኢና። ወትሩ ንህዝብና ብሓደ ልሳንን ልብን እንመስክረሉ ቃል እንተሎ፡ ሕጅ'ውን ከም ትማሊ -- 'ንሕና ኢና ወከልትኻን ኣድሓንትኻን፣ ንሕና ኢና ተስፋኻን ሓቦኻን፣ ንሕና ኢና ባህግኻን ራኢኻን-- ኣብ ረመጽ ሓዊ ዝተፈተና፣ መሪሕነታዊ ብቕዓት ዘመስከርና፣ ኣብ ጽንኩር ኲነት ዘልሓጥሓጥ ዘይንብል፡ ወትሩ ካብ ምቅላስ ዘይንሕለል፣ ብውልቃዊ ረብሓ ዘይንሰድዕ፡ ኣብ መትከልና ነኸስና ንጸንዕ"
መንግስቲ ኤርትራ ንዘይሕጋዊ መግስታዊ ስልጣኑ ከናውሕ፡ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ከም ዝጸነሐ፡ ንደሞክራሲ ብዝምልከት "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ ተተግባርነት ዘይብሉን ኣድማዕነቱ ኣብ ምዕብል ዝበለ ደርጃ ምዕባለ ምስ ተበጽሐ ጥራይ ዝረጋገጽን ምዕራባዊ ፖሊተካዊ ያታ(western political tradition) ስለ ዝዀነ፡ ንጭቡጥን ፍሉይን ኩነታት ሃገርካ ከይመመኻን ከይተርዳእካን ሃንደፍ ኢልካ ማለት ንዓኻ ዘዋጻጽእካን ዘየወጻጽኣካን ምዃኑ ከየመዛዘንካ፡ ተሃንዲድካ ብሃታሃታ እትትግብሮ ጕዳይ ኣይኰነን" ዝብል ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ኣረዳድኣ ደሞክራሲ ኢዩ ዘሎዎ። ብመሰርት'ዚ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ኣረዳድኣ ደሞክራሲ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ደሞክራሲ ኣምር ኣብ ክንዲ ብኣድማሳዊ (universal) ትርጕሙ ዝገልጾ፡ ንዕኡ ብዝምእምእ (ብዝጥዕም) ኣገባብ ብዘብለጭልጭ ባዶ ቃላት ቀባቢኡ ብፍልይ ዝበለ ናይ በይኑ ኣገላልጻ'ዩ ዝግልጾ። ዕላማኡ፡ ኣብ መንጎ ህዝብና "ደሞክራሲ ካብ ሃገር ናብ ሃገር መልክዑን ኣተጋብርኡን ዝፈላለ ብሓደ ዓይነት መልክዒ ዘይልካዕ ተዓጻጻፊ (flexible) መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ'ዩ " ዝብል ኣረዳድኣ ብምስራጽ፡ ንዘይሕጋዊ መንግስታዊ ስልጣኑ ሕጋውነት ንምልባስን ናይ ህዝቢ ደገፍን ተቐባልነትን ንምርካብን ኢዩ። እዚ ኣገላልጻ'ዚ ግን ንማንም ዘየርዲ (ዘየእምን) ናይ ሸሓጥቲ ሽሕጣን እምበር ልቦና ኰነ ሓቅነት ዝሓዘለ ኣገላልጻ ኣይኰነን። ብርግጽ፡ ደሞክራሲ ሓደ ዓይነት መንግስታዊ ኣገባብ ኣመሓዳድራ ኢዩ። እንተዀነ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ድኣ'ምበር ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ኣይኰነን። ህዝባዊ መንግስቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ክኸውን እንከሎ፡ ውልቀ-ምልካዊ መንግስቲ ግን ብጭውያ ውልቀ-መላኺ ብኢደወነኑ ዘቚሞ መንግስቲ ኢዩ። በዚ ዝኣክል፡ እቲ "ደሞክራሲ ዘዕግብ ውጽኢት ክርከቦ እንተተደልዩ፡ ኣብ ኣተጋባብርኡ ተዓጻጻፍነት (flexibility) ክህሉ ኣሎዎ" ንምባል ዝቐርብ ዘሎ ናይ ቀጠፍቲ ሽሕጣን (ንበይኑ ዓይነት ኣገላልጻ ደሞክራሲ)፡ ደሞክራሲ ኣብ ሃገርና ከይተተግበረ ንነዊሕ ዓመታት ክጸንሕ'ሞ፡ ብእኡ ጌሩ ተረሲዑ ክተርፍ ምእንቲ ዝቐርብ ዘሎ መመሳተዊ ብመዓር ዝተሸፈነ ምስምስ እምበር ካልእ ቁምነገር ይኹን መዓላ የብሉን ። ነዚ ምስምስ'ዚ፡ ሓደ ብደሞክራሲውነቱ ዝተኣማመንን ቅንዕና ዘሎዎን ፖለተካዊ ሰልፊ ኣየቕርቦን ኢዩ። እቲ ነዚ ምስምስ'ዚ ዘቕርብ ፖለተካዊ ሰልፊ፡ ብዘይገለ ውልውል እቲ ከም ህ.ግ.ደ.ፍ ዝኣመሰለ ርእሰ-ምትእምማን ዘይብሉ ብጥዑም ልሳን እናሸፈጠ ንዘንተ-እለት ክግዝእ ሕልሚ ዘሎዎ ዓማጺ ሰልፊ ጥራይ ኢዩ። ብሓቂ ርእሰ-ምትእምማን ዘሎዎን ብመትከል ብደሞክራሲ ዝኣምንን ፖሊተካዊ ሰልፊ፡ ንደሞክራሲ ኣብ ግብሪ መታን ከየውዕል፡ ወግሐ-ጸብሐ ዘይከውን "ዝወደቕኩ ቀምሽ ኣደይ ስለ ዝሓንኰሊኒ'ዩ !" ዝዓይነቱ ዓይንኻ ዘንቁር ምስምስ (ሓሶት) እናቕረበ፡ ዕጥይጥይ ወይ ሕልክስክስ ኣይብልን ኢዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብርኡይ ብኣባላት ናይ ሓደ ብሄርን ሓደ ሃይማኖትን ሓደ ኣውራጃን ዝተዓብለለ ስለ ዘይኰነ፡ ንዂለን ኣብታ ሃገር ዝርከባ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ከየጓነየን ከየዳለወን ከይገለለን ብመጠን ብዝሐን ብድልድል ዝውክልን ዘሳትፍን ናይ ብሓቂ ሃገራውን ደሞክራሲያውን መንግስቲ ብምዃኑ፡ ኣብቲ ናጻን ፍትሓውን ሃገራዊ ምርጫ ተወዳዲሩ ከይሰዓር ፈሪሑ መንግስታዊ ስልጣኑ ዘናውሕ ምስምሳት ክረክብ ዳምዳም ምባል ኣየድልዮን ኢዩ።
ክንድ ዝዀነ፡ ከም ስርዓት ህ.ግ.ደፍ ናይ ነብሱ ርእሰ-ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ራዕዲ ብምሕዳር ወትሩ ንድሕሪኡ ግልጽ እናበለ፡ ንዝተዳህለሉ ዝሓቊፍ፡ ንዘይተዳህለሉ ዝነጽግ፣ንዝወደሶ ዝድግፍ፡ ንዝተቓወሞ ዝጻባእ፣ ንዘጣቓዓሉ ዝሸይም፡ ንዝነቐፎ ዝዂንን፣ ፍጹም ኣስሓኮ (ሓያ) ዘይብሉ፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ብሕም ከይበለ ክምእዘዞ ጥራይ ዝጽበን ዝደልን፡ ስርዓት ኣይኰነን። ሓደ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ገስጋሲ'የ እናበለ፡ ንዘይደሞክራስዊ ስርዓቱ ስለ ዝተቓወምካ፡ ከይሓፈረ ንሃገርካ ካብ ስደት ከይትምለስ ዝኽልክልን ሃገራዊ ዜግነትካ ዝነፍግን ብግዲ ንስደተኛ ቀረጽ ዘኽፍልን ስርዓት ኣብ ዓለም እንተሎ፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ስርዓት ጥራይ ኢዩ። ዘይከም ናይ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ሓቀኛ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ፡ ኣብ መትከል ደሞራሲ ንኸምስል ዘይኰነ ብልቢ ስለ ዝኣምን፡ ምስ ካልኦት ተወዳደርቲ መማዝንቱ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተወዳዲሩ ዝበዝሐ ናይ ህዝቢ ድምጺ ብምርካብ ብሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ስልጣን ዝመጽአ ስለ ዝዀነ፡ ልባዊ ህዝባዊ ተቐባልነትን ኣፉመሊኡ ዝጣበቐሉ ሕጋውነትን ኣሎዎ። ብተውሳኺ፡ ብኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብደሞክራሲያውነቱ ስለ ዝተኣማመን፡ ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ብተቐናቕንቲ ተውዳደርቲ ሰልፍታት ከይሰዓር ስግኣት ሓዲርዎ፡ ዝተፈላለዩ ምስ ድሕነት ሃገርን ጸጥታን ዝተኣሳሰሩ ዘይረብሑ ምስምሳት እናቕረበ፡ ነቲ ክትግበር ዝተመዲበ ሃገራዊ ምርጫ ንሕልፈት ተወንዚፉ ከም ክተርፍ ኣይገብሮን ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ እውን፡ ነቲ ኣብ ጉባኤታቱ ብወግዒ ኣጽዲቑ ኣብ ቅዋሙን ፕሮግራሙን ብንጹር ዘስፈሮ፡ ንምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ዝምልከት ውድባዊ ዕላማ ጥሒሱ፡ ንሕድሪ ስዉኣት ብጋህድን ብንዕቀትን ብምጥላም፡ ከምቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ዝወዓሎ ብታሪኽ ዘሕትት ናይ ጥልመት ተግባር፡ ማለት ነቲ ደሞክራሲ ኣብ ሃገሩ ሱር ሰዲዱ ከይሰርጽን ከይጥጥዕን ዝዕንቅፍ ተግባር፡ ብምንም ምኽንያት ኣይውዕሎን ኢዩ። ከምኡ'ውን፡ ከም ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብብድዐ፡ ነቲ ብዝተፈላለየ መልክዕ በቶም ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ዜጋታቱ መዓልቲ-መጸ ከይተላዕለ ዘይሓልፍ መቓልሕ ዝመልስ ናይ ደሞክራሲ ጠለብ፡ ከምዛ ብሓደ ዜጋ'ውን ይኹን ናይ ተቓዎሞ ድምጺ ፈጺሙ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ፡ ድንብርጽ ከይበሎ ብቐጻሊ ኣይክሕዶን ኢዩ። እዚ ኹሉ ክዝርዘር ዝጽነሐ ባህርያት ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ፡ ብዘይጥርጥር እዚ ሰልፊ'ዚ ብደሞክራሲያውነቱ ዘይተኣማመንን ቅንዕና ዘይብሉን ዓማጺ ሰልፊ ምዃኑ'ዩ ዘረጋግጽ።
ኢሳያሱን ስልፉን ንደሞክራሲ ዝምልከት ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝሰሓተዎ ሓደ ዘይከሓድ ታሪኻዊ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ድማ፥ ፍትውቲ ሃገርና ኤርትራ ምስ ደሞክራሲ ቅድሚ ሕጂ ሌላ ከም ዝነበራ ኢዩ። ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ካብ 1941-1961 ኣብ ዝነበረ ፍሉይ ታሪኻዊ ወቕቲ ተኣታቲዩ ስለ ዝነበረ፡ ንህዝብና ሓዲሽ ተርእዮ ኣይኰነን። ብምንጽጻር፡ እቲ ኣብቲ ፍሉይ ታሪኻዊ ወቕቲ'ቲ ኣብ ሃገርና ሰፊኑ ዝነበረ ዕሙር ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዝሰፈነ ምዉት ደሞክራሲያዊ ሃዋህው ዝሓሸን ዝበለጸን'ዩ ኔሩ እንተተባህለ ሓቂ እምበር ምግናን ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ኣብቲ ወቕቲ'ቲ ናጻ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን (ንኣብነት፡ ጋዜጣ ዘመን) ናጻ ናይ ፖለቲካ ሰልፍታትን (ንኣብነት፡ ሰልፊ ኤርትራ ንኤርትራውያን) ናጻ ህዝባዊ ማሕበራትን (ንኣብነት፡ ሃገራዊ ናይ ሰራሕተኛታት ማሕበር) ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ እቲ ኣብ ግዜ ፈደርሽን ዝቖመ ባይቶ መንግስቲ ኤርትራ ዝተማልአ'ኳ እንተዘይኰነ፡ ንኣቀዋውማ ብሄራትን ሃይማኖታትን ኣውራጃታትን ሃገርና ኣብ ግምት ብምእታው ብህዝቢ ዝተመርጸ'ዩ ኔሩ። በዚ መሰረት'ዚ፡ ናይ ሽዑ ባይቶ ኤርትራ ምስ ናይ ሕጂ ባይቶ ኤርትራ ብምውድዳር ክርአ እንከሎ፡ ብዘይጥርጥር ዝለዓለ ደርጃ ደሞክራሲያውነት ኔርዎ። እዚ ክውንነት'ዚ፡ ንዘስተውዕል ኣእምሮን ንዝወቅስ ሕልናን ዘሎዎ ኤርትራዊ ዜጋ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ። ምኽነያቱ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ኣዝዩ መሪርን ጽንኩርን ሰፍ ዘይብል ናይ ሰብን ንዋትን ክሳራ ዝተኸፍሎ ደማዊ ብረታዊ ሓርነታዊ ገድሊ፡ ናጽነት ድሕሪ ምጕንጻፍና ከም ጻማ ገድልና ክቚጸር ዝከኣል ብውሕዱ ንናይ እዋን ፈደረሽን ዝዳረግ ደሞክርሲ እውን ኣይረኸብናን። እዚ ኸኣ ምስ ክልተ ሞት እምበር፡ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ምንታይ ይቚጸር ! ብዝዀነ፡ እዚ ዝተረቚሐ ፍሉይ ወቕቲ'ዚ፡ ምስ እዋናዊ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ተዛሚዱ ብኢሳያስን ሰዓብቱን ከም ኣገዳሲ ተሞክሮ'ኳ እንተዘይተጠቕሰ፡ ነቲ "ንቕሓት ዘይብልኩም ድሑራት ስለ ዝዀንኩም ክሳብ ስልጥን ኢልኩም ንቕሓት ትድልቡ ተጸመሙ፡ ጽንሑ፡ ተዓገሱ" ዝብል ካብ ንዕቀት ህዝቢ ዝተበገሰ "ኢሳያሳዊ ፈሊጥ ደሞክራሲ" ፋሽል (ከንቱ) ፈሊጥ ብሃማት (ዓያሹ) ምዃኑ ዘረጋግጽ ህያው መርትዖ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ታሪኽ ተሞክሮ ደሞክራሲ ህዝብና ከይተጠቕሰን ከይተዘከረን ክሕለፍ ዘብሉ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ወቕቲ ኢዩ።
ዝዀነ-ዀይኑ፡ እቲ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ንህላወ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ንምኽሓድ ዘቕርቦ ምጕት፡ ምስ ናይ ዶብ ግጭትን ምስ ሓዲሽ ኢሳያሳዊ ፈሊጥን (ኣቐድም ኣቢሉ ክግለጽ ዝጸንሐ ሓዲሽ ኣገላልጻ ናይ ደሞክራሲ ኣምር) ዝተኣሳሰረ ጥራይ ኣይኰነን፡፡ ካልኦት ዘቕርቦም ተወሰኽቲ መጐተታት እውን ኣሎዉ። ካብዚኣቶም እቶም ኣገደስቲ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦
1) ክሳብ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ብመንግስቱ ዕጉብን ቅሱንን ስለ ዝዀነ፡ ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ፈጺሙ ተላዒሉ ኣይፈልጥን ኢዩ፣ ምኽንያቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ነቲ ፍጹም ዝዓነወን ንድሕሪት ንዝተረፈን ቊጠባ ሃገርና ኣብ ምህናጽ እምበር፡ ይበሃል ኢልካ ንምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት ንምምሳል ንኤርትራ ዘይምልከት ምዕራባዊ ያታ (ንደሞክራሲ) ኣብ ምቕዳሕ የለን፤
2) ናይ ደሞክራሲ ሕቶ ሓፋሽ ህዝቢ ዘልዕሎ ዘሎ ህያው ሕቶ ዘይኰነ፡ እቶም ካብ ጭቡጥ ወድዓዊ ኩነታት ርሒቖማ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ኣብ እቶን ቃልሲ ዘይተፈተኑ " መጽሓፋውያን ምሁራት"ን፡ እተን ከም ኣሜባ ወግሐ-ጸብሐ እናተበዝሓ ዝኸዳን ብኣቃራጭ ከይተጋደላ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኲድጭ ክብላ ዝምህለላን፡ "ተቓወምቲ ውድባት" ዝጽውዓ ድርቅምቃም ሰልፍታትን ዘሳውርዎ ዘሎዉ፡ ዝተማህዘ (ጭቡጥነት ዘይብሉ) ሕቶ'ዩ፤ ከምኡ'ውን
3) ድሕነት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝረጋገጽ፡ ብህ.ግ.ድ.ፍ ብዝቖመ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ጥራይ'ዩ፣ ምኽንያቱ፡ ብቑዕ መሪሕነትን ቅኑዕ መስመርን (ስነ-ሓሳብን) ዘሎዎ ፍቱን ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ (ናይ ሎሚ ህ.ግ.ድ.ፍ) ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ ንኤርትራ ብዘይ ዕዳን-ዕንዲዳን ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ሒዙ ካብ ድሕረትን ድንቊርናን ከገካግላ ዓቕምን ብቕዓትን ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ተወፋይነትን ተሞክሮን ዘሎዎ ቅድሚ ሕጂ (ኣብ ብረታዊ ሓርነታዊ ቃልሲ) ኣብ ረመጽ ተፈቲኑ ተዓዊቱ ዝወጸ፡ ሕጂ ኸኣ (ድሕሪ ናጽነት) ኣብ ርእስኻ ምኽኣል ዝብል ፍስፍንኡ ጸኒዑ ሃገር ካብ ባዶ ተበጊሱ ብግብሪ ዝሃንጽ ዘሎ ፖለቲካዊ ሰልፊ ህ.ግ.ሓ.ኤ ማለት ህ.ግ.ደ.ፍ ጥራይ ኢዩ ዝብሉ ይርከብዎም።
ነዞም ዝተጠቕሱ ሰለስተ ነጥብታት ሓደብሓደ ብምትንታን ቅድሚ ምምላስና፡ እቲ ዝዋሃብ መልሲ ዘዕግብን ዘርድን ጥራይ ዘይኰነ፡ ወድዓውን ኩለንትናውን መታን ክኸውን፡ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ፖሊቲካዊ ስነ-ሓሳብን ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ብምምልካት ቅድመ-ባይታ ምንጻፍ ኣድላዪን ጠቓምን ኢዩ። ኣብ ኣፈና ቀዳማይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ከም እተጠቕሰ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ንማለቱ ሰልፊ ኣሎ ንኽበሃል ማለት ንመንነት ናይቲ ዘቖሞ ውድብ (ህ.ግ.ሓ.ኤ) ንምኽዋል ዝተመስረተ ስማዊ ሰልፊ እምበር ሓቀኛ ናይ ገዛእ ርእሱ ናጻ ህላወ ዘለዎ ሰልፊ ስለ ዘይኰነ፡ ንህ.ግ.ደ.ፍ ጐሲና ጠመተና ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ ብምድሃብ፡ እስከ ቀጺልና 1) እዚ ውድብ'ዚ ከመይ ኢሉ ከም ዝተመስረተ፣ 2) እንታይ ዓይነት ስነ-ሓሳብ ይኽተል ከም ዝነበረን ዘሎን፣ 3) እቲ ናብ ዓወት ዘብጽሖ ረቛሒታት እንታይ ከም ምዃኑን፣ 4) ድሕሪ ናጽነት መሪሕነቱ ንምንታይ ኣብ ክልተ ከም ዝተጐጀለን፣ ከምኡ'ውን፡ 5) ኢሳያስ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንምቛም እንታይ ዓይነት ኣሉታዊ ውድባዊ ኣገባብ ኣሰራርሓን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ቀይድን ዝጐደሎ ቅጥዕን ሃዋህውን ከም ዝሓገዞን ምስቲ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ንምዕንቃፍ ብሸነኽ ጕጅለ ኢሳያስ (ድሕሪ ምግጅጃል ላዕለዋይ ኢድ ዝሓዘ ጕጅለ መረሕነት) ዘጋጠመ ተጻብኣታት ብምዝማድ ንዳህስሶ።
ነዞም ክዝርዘሩ ዝጸንሑ ሓሙሽተ ነጥብታት ምስቶም ኣቐዲሞም ዝተገልጹ ሰለስተ ንደሞክራሲ ንምጽራር ብስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍን ሰዓብቱን ዝቐርቡ ዘሎዉ ተወሰኽቲ መጐተታት ብምውህሃድ፡ ሓደብሓደ ኣብ ዝስዕብ ሳልሳይ ክፋል ናይዚ ኣንቀጽ'ዚ ተንቲና ክንምልከቶም ኢና። ሰናይ ምክትታል።
ያሲን ዑመር
yassinomer01@gmail.com
ቀዳማይ ክፋል

No comments:
Post a Comment