ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ፡ ግዳይ ሕሰም፡ ማእሰርትን ሞትን ገይሩ ይቕረ ዘይብሃል በደል ኣብ ዝፍጽመሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ኣብ ክንዲ ምባል፡ ምስ’ቲ ዓማጺ ስርዓት ብምውጋን መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ህግደፍ ኮይኖም፡ ስቅያት ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሑ ዘለዉ ስነጥበበኛታት፡ ኣብ ወጻኢ ገይሾም ምርኢት ኣብ ዘካይዱሉ እዋን ጎነጽ ዝተሓወሶ ከቢድ ተቓውሞ ጋጥሞም ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዝበጽሓና ሓበሬታታት የመልክት።ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ብምምጻእ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዙሪክ ምርኢት ከቕርብ ዝፈተነ እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) ሓደ ግዳይ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ስጉምታት ኮይኑ ኣካላዊ መጕዳእቲ በጺሑዎ፡ ኣብ ዙሪክ፡ ኣብ ሕክምና ተዓቝቡ ከምዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ። ኣርባዕተ ዘሰነዩዎ ሙዚቀኛታት ‘ውን ተመሳሳሊ ዕጫ በጺሑዎም ኣብ ሕክምና ከምዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ በቲ ዝተላዕለ ግጭት ፈለማ 8 መንእሰያት ብኡ ንብኡ ክእሰሩ ከለዉ፡ ገለ ካብኣቶም ድሮ ተፈቲሖም ኣለዉ።
No comments:
Post a Comment