ረድኢ ቦኽረጼን ከምኡ ‘ውን የውሃንስ ገብረሚካኤል ዝተባህሉ ክልተ ደገፍቲ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ምስ ካልኦትደቂ-መዛምርቶም ተሓባቢሮም፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ሂዩስተን ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ነጻ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ብዝወዓሉዎ ማህረምቲ ብቤትፍርዲ ቴክሳስ ገበነኛታት ኮይኖም ከምዝተረኽቡ ካብቲ ግዳይ ዓመጽ ልኡኻት ህግደፍ ዝኾነ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ። እቶም ገበነኛታት፡ መቕጻዕቶም ሎሚ 12 ጥሪ ብቤትፍርዲ ክውሰን ምዃኑ ‘ውን ኣረዲኡ። እቲ ኣብ ልዕሊ ቴድሮስ ዝተወስደ መጥቃዕቲ፡ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሂዩስተን ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምስ ግብረሽበራ ብዝገበሮ ምድግጋፍን ምትሕብባርን ዝተበየነሉ እገዳ ባይቶ ጸጥታ 1907 ንምቅዋም ብግንቦት 2010 ብስም ‘ህዝባዊ መኸተ’ ኣብ ዘካየዱዎ ሰሚናር እዩ ተኻይዱ።ንሳቶም፡ ነቲ ከም ጋዜጠኛ ነቲ ኩነታት ክዕዘብን ከቃልሕን ዝመጽአ ቴድሮስ ካብቲ ኣኼባ ክወጽእ ንምግዳድ እዮም ብኢዶም ተጠቒሞም። ጋዜጠኛ ቴድሮስ ሽዑ፡ በቲ ማህረምቲ ብዝበጽሖ ጉድኣት ኣብ ሕክምና ክንክን ከምዝተገብረሉ ይፍለጥ።እዞም ክልተ ገበነኛታት፡ ረድኢ ቦኽረጼን ከምኡ ‘ውን የውሃንስ ገብረሚካኤል፡ ብቴድሮስ ድሕሪ ዝቐረበሎም ክሲ እዮም ብዝገበሩዎ ገበን ተፈሪዶም።ቴድሮስ መንግስቱ ኣብ ሂዩስተን ናይ እትሕተም ጋዜጣ ሰላም ኣሰናዳኢ እዩ።
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታትን ፍርዶምን ብዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ዘካየድናዮ ቃለመጠየቕ ኣብ ናይ ጽባሕ ዓርቢ ራድዮ ኣሰና መደብና ተኸታተሉ።
http://assenna.com/
ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ብዛዕባ እቲ ኩነታትን ፍርዶምን ብዝምልከት ምስ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ዘካየድናዮ ቃለመጠየቕ ኣብ ናይ ጽባሕ ዓርቢ ራድዮ ኣሰና መደብና ተኸታተሉ።
http://assenna.com/
No comments:
Post a Comment