ልዕለዋይ ብዓል ስልጣን ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገለ ከምኡ ‘ውን ናይ ቀረባ ዓርኪ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝነበረ፡ ብ6 ለካቲት ኣብ ለንደን ዝዓረፈ ነፍሲሄር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ክሳብ እዚ ስዓት’ዚ፡ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ብምኽልካሉ ኣብ ቤተሰቡ ዝፈጠሮ ጭንቀትን ዓቕሊ ጽበትን ኣብ ጥርዚ በጺሑ፡ ቍንቍኛኡ ንደገፍትን ተደናገጽትን ናይቲ ስርዓት ከይተረፈ ደንጽዩዎም ምህላዉ ምህላዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
ጸሎተ ፍትሓት ምስ ተገብረሉ ብቐጥታ ናብ ኤርትራ ክኸይድ ዝነበረ መደብ ተሰሪዙ፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መጽንሒ ሬሳ ምምላሱ ዘጕሃዮም ስድራቤትን ፈተውቱን፡ ንልኡኽ ስርዓት ህግደፍ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ደጋጊሞም ሓቲቶም ብዘይካ ‘ኣይፈለጥኩን’ ዝብል ናይ ብሃማት ምላሽ ርጡብ ምኽንያት ስለዝሰኣኑሉ፡ ብቐጥታ ንሰበስልጣን ህግደፍ ንምሕታት ጓሉ ናብ ኤርትራ ከይዳ ‘ኳ እንተቐነየት ዛጊት ኣውንታዊ ምላሽ ኣይተረኽበን።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ስድራቤት ዋላ ቀብርኹም ይትረፈና፡ ኣብቲ መዳሕንቱ ዝተቐብረሉ ዓዱ ሓመድ ኣዳም ከነልብሶ ኢሎም ዘቕርቡዎ ዘለዉ መሪር ምሕጽንታ ‘ውን ሰማዒ ስኢኑ ‘ሎ ።
እዚ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተፈጺሙ ዘሎ እገዳ ሬሳ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ካብ ቤተሰቡ ሓሊፉ ንብዙሓት ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ደገፍትን ተደናገጽትን ስርዓት ህግደፍ ኣጸይኑዎም ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ’ውን እቲ ኩነታት ተላባዒ ትሒምሒምታ ኣስዒቡ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣገንዚቦም።

No comments:
Post a Comment